Tigray Development Association

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናይ ፅሬት ኣቑሑት ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብፕሮፎርማ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ወይ TOT ተመዝገብቲ ዝተመዝገብለ መረዳእታ ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ከቕርብ ዝኽእል፡፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተጠቐሰ ጊዜ ገደብ እንተዘይኣቕሪቡ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኦ ብምግባር ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ይጥቀም፡፡

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

8. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

9. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣

10. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 12/06/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማልት ይኸፈት፡፡