ም ል ክ ታ ጨ ረ ታ
ቁፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን/335
ዕለት 27 /5/2017ዓ/ም
ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ንምምሃር ምስትምሃር ዘገልግሉ ኣቑሑት ብጨረታአወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ተወዳደርቲ ይዕድም።
1. ናይ ፅሕፈትን ስእልን መሳርሒ
2. ናይ ፅሬት ኣቑሑት
አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ተወዳደርቲ ሕጋውያን ነጋዶ ክትዋዳደሩ ይዕድም።
አብቲ ጨረታ ክሳተፍ ዝድሊ አቕራቢ ከማልኦ ዝግባእ ሮቛሕታት
1) ምስቲ ዘቕርቦ አቑሑ ተዛማድነት ዘለዎን ሕጋዊ ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ከቐርብ ዝኸእል።
2) ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ (TIN) ፣ ናይ መንግስታዊ ዕደጋ መቅረባይነት ከቐርብ ዝኽእል ።
3) ተወሳኺ እሴት ታክሲ(VAT)ተመዝጋቢ ምዃኖም ዝገልፅ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል ።
4) ቕድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ብር) ብናይ ኢትዮጰያ ብሄራዊ ባንኪ ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ባንክታት ስ.ፒ.ኦ ምቅራብ ዝኽእል ወይ ብጥረ ገንዘብ የትሕዝ።
5) አሸናፊ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ዘሸነፈሉ ንብረት ዋጋ 10% ውዕሊ መኽበሪ አትሒዙ አብ ውሽጢ 3 መዓልትታት ውዕሊ አሲሩ እቲ ዘሸነፎ ንብረት አብ ውሽጢ 7 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዝያ ናብ ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ እቲ ንብረት አታዊ ክገብር ዝኽእል።
6) ንጨረታ ሰነድ መግዝኢ ብር 50.00 ዘይምለስ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ካብ ዕለት 27/5/2016ዓ/ም ክሳብ ዕለት 18
/6/2016ዓ/ም ጨረታ ሰነድ ብምውሳድ ናብቲ ንጨረታ ሳንዱቕ ዝተዳለወ አታዊ ክገብር ኣለዎ።
7) ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕሸገሉ ዕለት 18/6/2016ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቕ ዝኽፈተሉ ዕለት
ድማ 18/6/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ይኸውን።
8) አብ መንግስታዊ ቤት ዕዮ አብ ዝፍፀም ግዝኢት ንምስታፍ ኣብ ናይ ኣቑሑትን ግልጋሎትን መቅረብቲ ምዃኖም ዘረጋግፅዝተሓደሰ መለለዪ ካርዲ ኮፒ ገይሮም ከተሓሕሳ ኣለዎም።
9) ጨረታ እንትኽፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ክርከቡ ንዕድም።
10) ውዕሊ ኣሲሮም ብውዕሊ መሰረት ርኽክብ እንተዘይተፈፂሙ ርኽክብ ዘይተገበረለን መዓልትታት 1/1000 ብምብዛሕ ብቅፅዓት መልክዕ ናብቲ ኮሌጅ(ናብ መንግስቲ ካዝና) አታዊ ይገብር።ኾይኑ ግን እቲ ቕፅዓት ካብ ውዕሊ ዋጋ (10%) አይበልዕን። እቲኮሌጅናይ ውዕሊ ዋጋ 10% እስካብ ዝበፅሕ ክፅበ አይግደድን መጠንቐቕታ ብምሃብ እቲ ውዕሊ ምቁራፅ ይከአል እዩ።
11) እቲ ኮሌጅ ካብቲ አብ ጨረታ ሰነድ ዝሓተቶም ግልጋሎት ከም ኩነታቱ 20% ኸውስኽን ኸቅነስን
ይኽእል።
12) እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ
ዝተሓለወ እዩ።
13) ተጫረቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ዘቕርብዎ ዋጋ ናይ መወዳደሪ ሓሳብን ለውጥን ወይ ድማ ምምሕያሽ ዘይከአል ምዃኑ ባዕሎም ካብቲ ጨረታ ምግላል ዘይከአል ምዃኑ ፈሊጦም ክወዳደሩ ይግባእ።
አድራሻና
ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ
• ዝርከበሉ ቦታ አብ ማእኸል ጥዕና ጣብያን ፎቶ ደስታን
• ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁዕሪ 03 42 40 94 67 ወይ ሞባይል ቁፅሪ 09 14 413007 ወይ ድማ 0914748720 ምድዋል ይከአል እዩ።