Tigray Water Works Study, Design and Supervision Enterprise

ግልፂ ጨረታ

ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ 50 ቅርሺ ብምኽፋል ወሲድኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትክእሉ፡፡

2. ናይ መቕረባይ ምዝገባ ሰርትፊኬትን T ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትኽእሉ፡፡

3. ቫት ተመዝጋቢ ዝኾንኩም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ፡፡

4. ናይ ወርሒ ሕዳር ቫት ዲክለር ዝገበርኩምሉ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡

5 ጨረታ መኽበሪ ብ CP.O.ወይ ብጥረ ገንዘብ 3,000.00 (ሰለስተ ሽሕ) ብር ከትሕዙ ዝኽእሉ፡፡

6. ዝተኣዘዘ ንብረት አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ ውዕሊ ኣሲሮም ንብረት ኣብ 15' መዓልቲ ብውዕሊ መሰረት የረክቡ፡፡

7. ጨረታ አብ አየር ዝፀንሓሉ ጊዜ ካብ ዕለት 23/05/2017 ክሳብ 07/06/2017 ዓ/ም ኮይኑ በቲ ዕለት ልክዕ ስዓት 4፡00 ተዓሽጉ ስዓት 4፡30 ይኸፈት ፡

8. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ተ/ቑዓይነት ንብረትመፍለይ ቑፅሪመዕቀኒበዝሒነ/ዋጋጠ/ዋጋመብርሂ
ብርብር
1Core box (HQ)As per SamplePcs50
2Core box (NQ)As per SamplePcs50