ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንስራሕቲ ክችን ዘድልዩ መሳርሒታት ህንፃ ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብፕሮፎርማ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡
1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣
2. መለለዪ ንግዲ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣
3. ቫት ወይ TOT ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሎ መረዳእታ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉ፣
4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም፣
5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
6. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ እቲ ዝድለ ንብረት ከቕርብ ዝኽእል፡፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተጠቐሰ ጊዜ ገደብ ኣታዊ እንተዘይገይሩ ሰዓራያ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ይጥቀም፡፡
7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡
8. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
9. ትካልና 20% ናይቲ ስራሕ ምንካይን ምውሳኸን ይኸእል፣
10. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
11. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 25/03/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማልት ይኸፈት፡፡