1 በቲ ዘርፊ ናይ 2016ን 2017 ዓም ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል

2 ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ቁፅሪ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባየነት ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

4 ናይቲ ትካል ባዕል ዋና ሕጋዊ ማሕተምን ፊርማን ተገይሩሉ ዋና ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ መስከረም 2017 ቫት ዲክለሪሽን ሪፖርት ከቅርብ ዝክእል

6 እቲ ጨረታ ምልክታ ካብ ዕለት 28/2/2017 ዓም ክሳብ 13/3/2017 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ኮይኑ እቲ ጨረታ 13/3/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፀዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ ይክፈት

7 ተወዳደርቲ ወይ ወከሎም እንተዘይተረኪቦም ንምክፋት ኣይክልክልን

8 ጨረታ መከበሪ ንመሳርሒ ፅሕፈት15000 ቅረሺ : ኣቅሑት ፅሬት 3000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

9 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ምዉሳድ ዝከኣል ምካኑ ንሕብር

10 እቲ ምልክታ ጨረታ መክፈቲ መዓልቲ ቀዳምን ሰንበትን ወይ በዓል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይክፈት

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

12 ሰዓራይ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 7 መዓልቲ ፅሬቱ ዝተረጋገፀ ብናይ ባዕሉ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈትና እታዊ ክገብረ ዝክእል

13 ቤት ፅሕፈት ኣብቲ ዝወፀ ጨረታ ቅድሚ ዉዕሊ ምእሰሩ ኣብቲ ዝወፀ ጨረታ 20 ሚእታዊ ምዉሳክ ወይ ምንካይ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ