ናይ ኦዲት ጨረታ ምልክታ
ኣብ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቛርን ልቛሕን ዕዳጋ ቐዳም ናይ 2016 በጀት ዓመት ሒሳብ ምንቅስቃስ/ፋይናንስ ስራሕቲ / ብናይ ደገ ኦዲት ከግብር ስለዝደለየ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መመዘኒ ረቛሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡
ተጫረቲ ዘማልእዎ ረቛሒታት
1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ መፍለይ ቑፅሪ /TN No / ዘለዎ
2. ናይ ዘመኑ ግብሪ ማለት ናይ 2016 ዓ/ም ዓመታዊ ግብሪ ዝኸፈለ
3. 1" /2 ደረጃ ብቅዓት ኦዲት ዘለዎ/ዋ ኾይኑ ናይ 2016 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ናይ ኦዲት ብቅዓት መረጋገፂ ዘቅርብ/ተቅርብ
4. ብተወሳኺ ኣብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ብፍሊይ ድማ ዕቛርን ልቛሕን ማሕበራት 3 ግዜን ልዕሊኡን ኦዲት ዝገበረ/ት መረዳእታ ዘቅርብ ዝኽእል።
5. ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ኦዲት ኣጠናቒቑ ከቅርብ ዝኽእል ፡፡
6. እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ትካልና እናመፃእኹም ምውሳድ ትኽእሉ ።
7. ጨረታ ሰነድ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሊ ግዜ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 21/01/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ቐዳም ሓውሱ ይኸውን
8. ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ 27/01/2017 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ኾይኑ ዝኸፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት 27/01/2017 ዓ.ም ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዘለውዎ ኣብ ጥቃ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጅነርግ ብልምድ ዕዳጋ ቐዳም ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ዝኸፈት ይኸውን፡፡
9. ዝርዝር ኦዲት ዝግበሩ ሰነዳት
| በዝሒ ብጋድ | ሓቓፊ/ box/ | |
|---|---|---|
| CRV | 03 | 02 |
| CPV | 06 | 08 |
10 ማሕበርና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰለ
ዝተሓለወ እዪ፡፡
ዕቛርን ልቛሕን ዕዳጋ ቐዳም
ንዝበለፀ ሓበሬታ ስ.ቁ 0914729798/0914727471