Fremnatos Elders, Mentally Disabled and Children Charity Organization

ምልክታ

ማእኸል መሐገዚ ኣረጋውያን ሕሙማት ኣእምሮን ህፃናትን ፍሬምናጦስ ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2016 ዓ/ም ልዕሊ 20 ሽሕ ዝተሳተፍሉ ብቴሌቭዥን ትግራይ ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ብፕሬዚደንት ክልል ትግራይ ዝኸፈተ ዓብይ ጉያ ከምዝተኻየደ ዝፍለጥ ኮይኑ ሎሚ ዘበን እውን ንመበል ንኻልኣይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዓብይ ጉያ ኣብ ሕዳር 01/2017 ዓ/ም ንህንፀት ገዛና ንጉየ ብዝብል ቴማ ዝካየድ ዝግበር ዓብይ ጉያ ፍሬምናጦስ ነቲ ዝካየድ ዓብይ ጉያ መሳለጢ ዝኸውን ሰፊሕ እቶት ንምትእልላሽ ይደሊ።ኣታዊኡ ንህንፀት መንደር መሐብ ሓበ ፍሬምናጦስ ዝውዕል ብመሰረት እዚ ኣብዚ ዓውደ ስራሕ ዝነጥፉ ፕሮሞተራት ብኩነት ምድላው (Event Organizing) ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ኣብቲ ዓውዲ እትነጥፉ ኣካላት ኣወዳዲሩ ክሰርሕ ስለዝደለየ ኣብዚ ክትሳተፉ እትደልዩ ትካላትን ውልቀ ሰባትን በመሰረት እዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ረቛሕታት ሰነድኩም(ፕሮፖዛልኩም) ካብ 23-30/12/2016 ዓ/ም ብምቕራብ ክትወዳደሩ ንዕድም።

1. ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ንምስራሕ ኩነት ምድላው (ብEvent Organizer) ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድን ስራሕ ልምድን ዘለኩም በዚ ዘርፊ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝኸእል

2 ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነ

3. ኣብ ሕሉፍ ግዜ ኣብ ዓበይቲ ክልላዊን ሃገራዊን ተመሳሰልቲ ስራሕቲ ዝተሳተፈን ነዚ ዘረጋግፅ ምስክር ወረቐት ድማ ከቕርብ ዝኸእል

4. ኣብ ዙርያ ኣተኣኻኽባ እቶት መሪሕ ዝኾነ ካብ 3 ገፅ ብዘይበዝሕ ግልፂ ዝኾነ ፕሮፖዛል ከቕርብ ዝኸእል

5. ግልፂ ናይ እቶት ኣተኣኻኸባ ሜላ ዘረአ መበገሲ ሓሳብ ዘቕርብ ኣብዚ መበገሲ ሓሳብ ከመይ እቶት ከምዝእከብን ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ክእክብ መደብ ከምዝሓዘን ክኸፈሎ ትፅቢት ዝገብሮ ሚኢታዊ ክንደይ ከምዝኾነን ዘርኢ ፕሮፖዛል ከቕርብ ዝኽእል

6. ሰዓራይ ኣካል ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ብምእሳር ብውዕሉ መሰረት ክሰርሕ ዝእኽል

7. ናይቲ ትካል ማለት ማእኸል መሐገዚ ፍሬምናጦስ ሕጋዊ ኣንፈትን መምርሕን ኣኸቢሩ ብልዑል ህዝባዊ ሓላፍነት ክሰርሕ ዝኽእል

8. ካሊእ ኣብዚ ዘይተሓበሩ ናይ ባዕሉ እቶት መደንፍዒ ምህዞታት ከቕርብ ዝኽእል

መዘኻኸሪ

ነዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ረቛሕታት እተማልኡ ሰነዳትን ፕሮጀክት ፕሮፖዛልን ዓሺግኹም ክሳብ ዕለት

ተወዳደርቲ ናይቶም ረቛሕታት 30/12/2016 ዓ/ም ሰዓት 11፡00 ድሕሪ ቐትሪ ናብ ማእኸል መሓገዚ ኣረጋውያን ሕሙማት ኣእምሮን ህፃናትን ፍሬምናጦስ ኣታዊ ክትገብሩ ነፍልጥ።

ኣድራሻ

ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሰሜን ጣብያ መስፍን ማይለሓም እንዳራእሲ ውርድ ኢልካ ገረብ በቡ