Mekelle Hospital

1 ተጫረቲ በቢዝጫረተዎ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ኣብ ሓዱሽ መቅረብቲ ዝርዝር ተመዝጋቢ ዝኮኑ  ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ወርሓዊ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘወራረደሉ መረዳእታ ከምእዉን ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ብቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

2 ዋጋ ፀኒሑ ዝፀንሐሉ እዋን ንተከታተልቲ 60 መዓልቲ ኮይኑ ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት 9 ነሐሰ 2016 ዓም ክሳብ 20/ነሐሰ/2016ዓም ዝፀንሕ ኮይኑ ሰነድ ጨረታ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳርን ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ 305 ብምምፃእ ገዚእካ ምዉሳድ ይከኣል

3 ተጫረቲ ብናይ ትካልና ዘቀረበ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ብምምላእ ብመከበሪ ዉሕስና ጨረታ ንመድሓኒት 20000 : ንካልኦት ናዉቲ 10000 ብጥረ ገነዘብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ዝቀርብ ስሩዕ ሰነድ ብዚካ ጥረ ገንዘብ ኣብ ዋና ሰነድ ጨረታ ብሓባር ተዓሺጉ ዝቀርብ ኮይኑ ካብዚ ወፃኢ ሒዙ ዝቀርብ ተቀባልነት የብሉን

4 ዝሰዓረ ተጫረቲ ዘቅርቦ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ሆስፒታል መቐለ ዘቅርብ

5 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ዝሐዘ ሰነድን ኣብ መዓሸጊ ፖስታ ሽሞምን ፊርሞምን ናይ ታካሎም ማሕተምን ብምግባር ዋናን ቅዳሕን ብዝተፈላለየ ፖስታ ተዓሺጎም ክቀርቡ ይግባእ

6 ሰነድ ጨረታ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኩን ዘይተረከብሉ ዕለት 20/ነሐሰ/2016 ዓም ሰዓት 8:30 ተዓፀዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ይክፈት

7 ኣብ ዕንፀይቲ ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ኣይሓዉስን

8 ሆስፒታልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ፕሮፎርማ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ