Mesfin Industrial Engineering PLC

ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ትካልና መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ናይ ዘገልገሉ ጎማታት ካለማደርያ፣ ፍላፕ፣ በራሚልን ናይ መኪና ባትሪን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደሊ ድሌትን ዓቅሚን ዘለኩም ነጋዶ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት መሰረት ብምግብር ኣብ ጨረታ ንክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም።

ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን

1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2015/2016 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቕርብ ዝኸእል ክኾውን ኣሎዎ።

2. ተጫረቲ ንጨረታ ዝቐረበ ዘገልገሉ ኣቑሑ 7/8/2024 G.C. ክሳብ 21/8/2024 G.C. ን14 መዓልቲ ኩሉ ጊዜ ካብ ሰዓት 2 00-11:00 ኣግ ክርእዩሪያ ይክእሉላ፣፣

3. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቓድ፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ተጨማሪ እሴት ታክስ ሰነዳት ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምሓዝ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 7/8/2024 G.C ክሳብ 21/8/2024 G.C ኩሉ ጊዜ ብስራሕ ሰዓት ካብ ሰዓት 2:00-11:00 ኣግ ኣብ ዘሎ ጊዜ ብር 300.00 (ብር ሰለስተ ሚእቲ ) ብምክፋል ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት መቐለ ካብ ኮርፖሬት ሳፕላይ መምርሒ ክረክቡ ይኽእሉ፡፡

4. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነዶም ነዚ ተባሂሉ ኣብ ኮርፖሬት ሳፕላይ መምርሒ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ካብ 7/8/2024 ክሳብ 21/8/2024 G.C. ሰዓት 4:00 ኣ.ግ ከእትዉ ይክእሰ

5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 50,000 (ብር ሓምሳ ሽሕ) ምስ ጨረታ ሰነድ ኣተሓሒዞም ከእትው ይግባእ፡፡

6. ጨረታ ዕለት 21/8/2024ኣ.ኤ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ኣ.ግ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣ.ግ ድሌት ዘሎዎም ተጫረቲ ወይም ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኸፈት፡፡

7. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው ኣይካኣልን፡ ጨረታ ዶክመንት ማህተምን ፊርማን ናይ ተጫራታይ ክዓርፎ ኣለዎ። ኣብ ጨረታ ሳንዱቕ ዝኣተወ ፖስታ ብምለሱለይ ብምንም መልክዑ ክምልስ ኣይከኣልን።

8. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይ ተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከም ዘይሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ፡፡

9. ተጫረቲ ንሕድሕድ ኣቅሓ ነፀላ ዋጋን ጠቕላላ ዋጋን ከርእዩ ዝግባእ እንትኮን ናይ ድምርን ስልሕትን ጌጋታት እንተሃሊዩ ተጫራታይ ሓላፊነት ይወስድ ትካልና ናይ ተጫራታይ ስልሕት ጌጋታት ናይ ምእራም ሓላፊነት ኣይወስድን፡፡

10.ሰዓሪ ተጫራቲ ንጨረታ ዝቐረበ ዝሰዓሩዎን ኣቑሑ ኩሉ ብቑፅሪን ብበዝሕን መሰረት ከልዕሉ ይግባእ።

11. ሰዓሪ ተጫራቲ ጨረታ ምስዓሮም ምስ ተነገሮም ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩን ዝሰዓሩዎ ንብረት ብዉዕሊ መሰረት ከልዕሉ ይግባእ፤ እንተዘይኮይኑ ግና ንመክበሪ ጨረታ ዘትሐዞዎ CPO ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወሰድ፡፡

12. ሰዓሪ ተጫራቲ ንብረት እንትርከቡ ናይ በዝሒ ኣፈላላይ እንተጋጢሙ በቲ ዝተረኽበ በዝሒ መሰረት ኣቕሑ ናይ ምቅባል ግዴታ ኣለዎ ።

መሰረት

13. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዚ ጨረታ ምልዓል ዝተትሓሓዙ ኩሉ ዓይነት ወፃኢታት ማለት ናይ ሰብ ሓይሊ፣ ናይ ትራንስፖርት---ወዘተ ኩሉ ባዕሉ ክኸፍል ይግባእ፤ ትካልና ምስዚ ጨረታ ዝተትሓሓዘ ምንም ዓይነት ናይ ሰዓሪ ተጫራቲ ወፃኢታት ኣይሽፍንን።

14. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ

ብስልኪ ቑፅሪ +251 914708567 ወይድማ +251914726169 ምድዋል ይክእሉ፡፡