Tigray Buildings Commission

ቁፅሪ ኮ/ኣ/ህ/ክ/ት/ፈይ 0003/16

ዕለት30/11/2016ዓ/ም

ንካልኣይ ጊዜ ዝወፅአ ምልክታ ፕሮፎርማ ጨረታ

ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ክልል ትግራይ ንመ/ቤቱ ግልጋሎት ዝውዕላ ኤሌክትሮኒክስ ንብረታት ኮምፕዩተር ፕሪንተር ፎቶኮፒ ላፕቶፕ ፕሮጀክተር UPSን ካልኦትን ንምፅጋንን ሰርቢስ ንምግባርን ፕሮፎርማ ጨረታ ናይ ኢድ ሞያ ኤሌክትሮን ኣወዳዲሩ ንሐደ ዓመት ዉዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ /ኸፀግን /ስለ ዝደለየ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ

1/ በዚ ስራሕ ዘርፉ ናይ 2016ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቓድ ቲን መፍለዪቁፅሪ ዘለዎ /ቲናበር ኮፒ ከቅርቡ ዝኽእሉን።

2/ ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ናይ ኢድ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ሓደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ኣብ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ብምምላእ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ብምጥቃስ ማህተምን ፌርማን ኣማሊኡ ከቅርብ ኣለዎ

3/ እዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ካብ ዕለት30/11/2016ዓ/ም ክሳብ 05/12/2016ዓ/ም ኣብ ኣየር ፀኒሑ ዕለት 06/12/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ንጉሆ ዝርአ ይኸዉን ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ /ምዕፃው /ዝመፅእ ተቐባልነት የብሉን።

4/ ሰዓሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ ሰዓሪ ኮይኑ ምስተነገሮ ቀጥታ እሊ ኣሲሩ ስርሑ ክጅምር ዝኽፈል ኮይኑ ዝኸፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 3.000 ብር እንተኾይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 2% ዝኸፍል ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

5/ ነዚ ጨረታ አሸናፊ ዝኸዉን ካብ ቁፅሪ 1ክሳብ 19 ካብ ዘሎ ዝርዝር ብዛሸነፎ በዝሒ ድምርይኸዉን።

6/ መስራቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

7/ እዚ ፕሮፎርማ እዚ ከም ዉዕሊ ኾይኑ ያገልል።

8/ ንተወሳኺ ሓቤሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ0342408918 /0914755064 ደዊልካ ምሕታት ከኣል።

ኣድራሻና፦ መቐለ 09 እንዳ ተክለሃይማኖት ቤተ-ክርስትያን ፊትንፊት ኣብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ቢሮ ቁፅሪ 6 መፂእኻ ምዉሳድ ይከኣል