Dedebit Credit and Saving Institution S.C

ን2 ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 2017 ዓ/ም ንግልጋሎት ዝውዕል ኣጀንዳን መዘከርታ ደፍተርን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለ ዝደለየ በዚ ስራሕ ፍቃድ ዘለኩም ትካላት ክትጫረቱ እትደልዩ በቲ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት መሰረት ንክትወዳደሩ ይዕድም።

1. ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TN ከቕርቡ ዝኽእሉን ከምኡ እውን ናይ 2016 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉን፣

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ሕጋውነቱ ብዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ዝክእሉ

3. ዝርዝር ጨረታ ዝሓዘ ዶኩሜንት ካብ ዕለት 27/11/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ መቐለ ቁ.2 ብር 200.00 ክልተ ሚኢት ብር/ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣

4. ናይ ጨረታ ዶኩመንት ብፖስታ ሽምዒ ዝተዓሸገ ኾይኑ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 27/11/2016 ዓ.ም እስካብ ዕለት 08/12/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ዘሎ ግዜ ይኸውን፣

5. ሰነድ ጨረታ ናብ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 27/11/2016 ዓ.ም እስካብ ዕለት 08/12/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ኮይኑ ሽዑ ንሽዑ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ስዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ብኣባላት ጨረታ ኮምቴ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ክፍሊ ፋይናንስ ይኸፈት። ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ብኣካል ክርከቡ ዝምረፅ ኮይኑ እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ዝኣተወ ናይ ጨረታ ሰነድ ኩሉ ዝኽፈት ይኸውን።

6. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional Perfomance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፣

7. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ናብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ዋና ቢሮ ቐሪቡ ውዕሊ ክኣስር ዝኸእል።

8. ተጫረቲ ትካል ካብ ዘቕረቦ ናይ ጨረታ ሰነድን ስፔስፊኬሽንን ወፃኢ ከቕርቡ ኣይፍቀድን።

9. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

10.ን ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ።