Agency of urban development Tigray

ምልክታ ፕሮፎርማ ጨረታ

ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ክልል ትግራይ ንመ/ቤቱ ግልጋሎት ዝውዕላ ኤሌክትሮን ንብረታት ኮምፕዩተር ፕሪንተር ፎቶኮፒ ላፕቶፕ ፕሮጀክተር UPSን ካልኦትን ንምዕጋንን ሰርቢስ ንምግባርን ፕሮፎርማ ጨረታ ናይ ኢድ ሞያ ኤሌክትሮን አወዳዲሩ ንሐደ ዓመት ዉዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ /ኸፀግን /ስለ ዝደለየ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ

1/ በዚ ስራሕ ዘርፉ ናይ 2016ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቓድ ቲን መፍለዪቁፅሪ ዘለዎ /ቲናበር ኮፒ ከቅርቡ ዝኸእሉን

2/ ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ናይ ኢድ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ሓደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ኣብ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ብምምላእ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ብምጥቃስ ማህተምን ፌርማን ኣማሊኡ ከቅርብ ኣለዎ

3/ እዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ካብ ዕለት23/11/2016ዓ/ም ክሳብ 25/11/2016ዓ/ም ኣብ ኣየር ፀኒሑ ዕለት 26/11/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ንጉሆ ዝርአ ይኸዉን ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ /ምዕፃው /ዝመፅእ ተቐባልነት የብሉን

4/ ሰዓሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ ሰዓሪ ኮይኑ ምስተነገሮ ቀጥታ ዉእሊ አሲሩ ስርሑ ክጅምር ዝኽፈል ኮይኑ ዝኸፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 3.000 ብር እንተኾይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 2% ዝኸፍል ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ

5/ ነዚ ጨረታ አሸናፊ ዝኸዉን ካብ ቁፅሪ 1ክሳብ 19 ካብ ዘሎ ዝርዝር ብዛሸነፎ በዝሒ ድምር ይኸዉን

6/ መስራቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

7/ እዚ ፕሮፎርማ እዚ ከም ዉዕሊ ኾይኑ ያገልል

8/ ንተወሳኺ ሓቤሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ0342408918 /0914755064 ደዊልካ ምሕታት ከኣል

ረ/ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት ክልል ትግራይ/

ኣድራሻና፦ መቐለ 09 እንዳ ተክለሃይማኖት ቤተ-ክርስትያን ፊትንፊት ኣብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ንርከብ