Mekelle correctional Center

ቁፅሪ 7/01/2016ዓ/ም

ዕለት22/11/2016ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ጨረታ

መቐለ ቤት ህንፀት ኣብ 2017ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ ዝተፋላለዩ ኤለክትሮኒክስ ንብረት ናይ ኢድ ሞያ ጥራሕ ንምፅጋን ካብ ፍቓድ ዘለዎም ነጋዶ ኣወዳዲሩ ንሓደ ዓመት ክሳብ ሰነ 30/10/2017ዓ/ም ዉዕሊ ኣሲሩ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1/ ተጫረቲ በዚ ስራሕ ዘርፊ እዚ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቓድን መቅረባይነትን ኮፒ ከቕርቡ ኣለዎም

2/ ቲን መፍለዪ ቁፅሪ ዘለዎ ኮፒ ከቅርቡ ኣለዎም ከምኡ ድማ እቲ ዝተመልአ ዋጋ ድሕሪ ጨረታ ምኸፋቱ ን7 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ኮይኑ ሰዓራይ ዝኾነ ትካል ሰዓሪ ኮይኑ ምስተነገሮ ኣብዉሽጢ 3መዓልቲ 1000ብር ከፊሉ ዉዕሊ ክኣስር ኣለዎ

3/ ተወዳዲሩ ዝሰዓረ ተጫራቲ ዝዕገን ንብረት ክፅግን ኣብ ዝተነገሮ ግዘ ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ናብ ቤትህንፀት መቐለ ብኣካል ብምምፃእ ናይቲ ንብረት ፀገም ብምርኣይ ዝግዛእ ንብረት እንተኣጋጢሙ ትክክለኛ እስፐስፍኬሽን ፅሒፉ ከረክብ _ ኣለዎ እቲ ንብረት ተግዚኡ ምስ መፀ ትክክል ምዃኑ ኣረጋጊፁ ብፅሬትን ሰለጤንን ፀጊኑ ከረኸብ ኣለዎ

4/ ሰዓሪ ትካል ናይ ዝሃቦ ግልጋሎት ዝኸፈሎ ብር ልዕሊ10000ብር ተኾይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ2% ይኸፍል

5/ ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ዋጋ ናይ ሓደ ግዘ ዝፅግንዎ ዋጋ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነ ድማ ምስቫቱ ስልዝ ድልዝ ዘይብሉ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብ ሰነድ ጨረታ ዋጋ - መምልኢ ተመሊኡ ክቐርብ ኣለዎ ስልዝ ድልዝ ዘለዎ እንተጋጢሙ ፌርማ ናይ ተጫራቲ ክዓርፎ ኣለዎ

6/ እዚ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 22/11/2016ዓ/ም ክሳብ 26/11/2016ዓ/ም ሰዓት3.30 ፀኒሑ ሰዓት 4.00 ይኸፈት

7/ መስራቤትና ዘሐሽ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

8/ ንተወሳኺ ሓቤሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0942659419 ወይ 0914120805 ምሕታት ይከኣል