The daughters charity

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ- ክርስትያን ሰበኻ ዓዲግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕ/ሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና ፣ኣብ ልምዓትን ካልኦትን ማሕበራዊ ፀገማት ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ:: ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምካን ኣብ 12' ወረዳታት ትግራይ ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ:: ብተመሳሳሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባፀሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ:: በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ግልፂ ጨረታን ፕሮፎርማን ዓይነታት ንብረትን ግልጋሎትን ክትወዳደሩ ንዕድም

1 ሞተር ሰይክል ን2ይ ግዘ ዝወፀ

2 ፋፋ ንፋብሪካ ጥራይ ን2ይ ግዘ ዝወፀ

3 ሕሩፅ ፊኖ ንፋብሪካ ጥራይ ን2ይ ግዘ ዝወፀ

4 ፅሕፈት መሳርሒ

5 ምግቢ መብሰሊ(cooking materials)

6 ጨርቃጨርቂ

7 ናይ ፅዕነት መኪና ክራይ

8 ናይ ሰብ/ተጓዓዝቲ መኪና ክራይ

9 ናይ ፅሬት መሳርሒ

ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 19/11/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ስዓት ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ምድር ቤት ክፍሊ ኦፐሬሽን ብዘይክፍሊት ምውሳድ ይከኣል፡፡

ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።