Muncipality of Mere-mieti

ምልክታ ግ/ ጨረታ

ናይ 2017 በጀት ዓመት ብቤት ማዘጋጃ ከተማ መረ ሚኢቲ ንስራሕቲ ዉሽጣ ዉሽጢ መንገድ ዝዉዕል ዝተመረፀ ሓመድ ንካምርት Dosan excavator ን100 ስዓት ተካርዩ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከምርቲ ስለ ዝደሊ በዚ መሰረት ኣብ ኮንስትራክሽን ስራሕቲ ዝተሰማረኹም ሕጋውያን ነጋዶ ኣብቲ ጨረታ ክትወዳደሩ ብኽብሪ ንዕድም ።

ተ.ዝርዝር ንብረትስፐስፍክሽንመዕቀኒበዝሒናይ ሓደ ስዓት ዋጋጠቅላላ ናይ 100 ስዓት ዋጋመብርሂ
ብርሳንብርሳን
1Dosan excavatorEx-340ስዓት100

በዚ መሰረት ነጋዶ ከማልኡዎ ሕብኦም ረቋሕታት

1. በዚ ዘፈር ንግዲ ዝምልከት ኮይኑ ናይ 2016 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዝተሓደሰን ግብሪ ዝከፈለን ክከውን ኣለዎ።

2. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረብቲ ምዝገባ ሴርትፍኬትን

3. ቫት ተመዝገብትን ናይ ወርሒ ግንቦት ወርሒ ዲክለር ዝገበሩን ከቅርብ ዝክእሉን

4. መለለይ ግብሪ ቁዕሪ /ቲን ናምበር/ከቅርብ ዝክእል።

5. ተጫረቲ Dosan excavator በቢ ዘርፉ ሰነድ ዘይምለስ 300 ብር ብምክፋል ካብ ከ/ስ/እቶት ምውሳድ ይከኣል።

6. ተጫረቲ ኣብ Dosan excavator ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ ናይ ሕድሕድ ዓይነት ድማ ብር 3001(ሰለስተ ሽሕን ሓደን ብር ጥራሕ) በቢ ዘርፉ ብናይ CPO ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል።

7. ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 17/11/16 ዓ/ም ክሳብ ዕለት26 /11/16 ዓ/ም ጀምሩ ሰነድ ጨረታ ምውሳድ

ዝከኣል ኮይኑ ብተመሳሳል 26/11/2016 ሰዓት ምሽት11:00 ተዓሺጉ ዕለት 27/11/16 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት።

8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኦርጀናል ኣብ ሓደ ፖስታ፣ኮፒ ኣብ ሓደ ፖስታ ነኒበይኑ ብምዕሻግ ጠቅላላ ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ብምጥቅላል ናብቲ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይኣቱ።

9. ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ኣድራሻ፣ማህተም፣ፊርማ፣ክህልዎ ኣለዎ። ብተወሳኪ ድማ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኦርጀናል ምስ ፎቶ ኮፒ ሰርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እዚ ንዝገበረ ተጫራቲ እቲ ጨረታ ተቀባልነት የብሉን።

10. እቲ ፖስታ አብ ላዕሊ ብማርከር ብዝንበብ ፅሑፍ ዓይነት ዝተገዝአ ሰነድ ክፃሓፈሉ ክክእል አለዎ ።

11. ቤት ፅሕፈትና 20% ናይ ምውሳክን ምቅናስን መሰሉ ሕልው እዪ።

11. ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0988737923/0913988136/0941467518 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

12. ስራሕ ኣብ ዝጅመረሉ ናፍጣ ብናይ ቤት ማዘጋጃ መረ ሚኢቲ ይመላእ።ናይ ቤት ማዘጋጃ ዝተትሓዘ ስለዘሎ

13. ቤት ፅሕፈተና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው ንምምሃር ክልል ትግራይ -እዩ።