Mayani sheraro Hospital

1 በቲ ዘፈር ናይ 2016 ዓም ወይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲን መቅረባይነት ዘለኩም

2 ንኪራይ መኪና ንናይ ባዕል ዋና ንብረት ዋንነት ማለት እዉን ሊብሬ መረዳእታ ዘለዎም

3 ናይ ከፋሊ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ መረዳእታ ዘለኩም ንኪራይ መኪና ዉሕስና መረጋገፂ ዘለዎም

4 ንኪራይ ሰራሕተኛ አገልግሎት መጎዓዝ መኪና 44  ወናብር ዘለዎ ልዕሊ 44 ወናብር ዝሐዘት እንተኮይና ድማ ብማዕረ ዋጋ ምስ 44 ወናብር ዝሐዘት መኪና ክወዳደር ዝክእል

5 ንኪራይ ፅዕነት መኪና 35 ኩንታል እትፅዕን 35 እትፅዕን እንተኮይና ድማ ብማዕረ ዋጋ  ምስ 35 ኩንታል እትፅዕን መኪና ከወዳደር ዝክእል

6 ንኪራይ መኪና ማለተ እዉን ኪራይ ሰርቪስ ኪራይ ፅዕነት መኪና ነዳዲን ካልኦትን ወፃኢታትን በዓል ንብረት ይሽፍን

7 ንመከበሪ ጨረታ 10000 ቅርሺ  ከምእዉን ተወዳደራይ ሰዓራይ ኣብ ዝኮነሉ እዋን ካብ ጠቅላላ ዋጋ  መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሕጋዊ ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ማለት እዉን ስፒኦ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ከትሕዝ ዝክእል

8 ሰዓራይ እዚ ጨረታ ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክእስር ዝክእል

9 ተወዳደርቲ ዝተሐተ ዋጋን ፅሬት ዘለዎ አገልግሎትን ወይ ንብረትን ዘቅረበ ሰዓራይ ይከዉን

10 ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 12 ሐምለ/ 2016 ዓም ክሳብ 26/ሐምለ/2016 ዓም  ኣብ ዘለዉ ናይ ስራሕ ሰዓታት ካብ ማይኒ ሐፈሻዊ ሆስፒታል ከተማ ሸራሮ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክትወስዱ ንዕድም

11 ጨረታ ዝዕፀወሉ 26/11/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ጨረታ ዝክፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ይከዉን ኩሉ መረዳእታ ቅዳሕ ገይርኩም ብምሓዝ ምስ ናይ ዋና መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ በምትሓዝ ዓሽግኩም ናብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ሐፈሻዊ ሆስፒታል ማይኒ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ክፍሊ ናብ ዘዳላናዩ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይክእሉ

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪብ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 ኣብ ናይ ባዕልና ዝርዝር መቅረቢ ሰሌዳ ብፅሬትን ብፅሩይን ክምልእ ይግባእ