Dera and its Surroundings Development Association

ን2ይ ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ልማዓት ደራን ከባቢኣን ኣብ ወረዳ-ኣፅቢ ብፍሉይ ድማ ኣብ ደራ ድስትሪክት ኣብ ሓገዝ ህፁፅ ረዲኤትን ኣብ ምልማዕን ምዕቃብን ሃፍትታትን ወረዳ ኣፅብን ይኩን ኣብ ደራ ዝሰርሕ ትካል ገባሪ ሰናይ እዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ማልደከ ብድርቂ ዝተጎድኡ ኣብ 5ተ ጣብያታት ዝርከቡ ኣብ ዝከፈአ ናብራ ንዝርከቡ ወገናት ናይ ህይወት ኣድሕን ስራሕ ንምስራሕ ምስ ገባሪ ሰናይ ዓለምለካዊ ትካል ልምዓት ሆፕ ብምትሕብባር ስምምዕ ብናይ ሓባር ዕላማ ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ህፁፅ ረድኤት ደገፍ ንምትግባር ተስማዕሚዖም ኣለዉ።

በዚ መሰረት ድማ 790 ካርቶን ንህፃናት ዝውዕል ብሽኩቲ ኣብ ሕጋውያን ነጋዶ ክገዝእ ስለዝደለየ ክተቕሩቡ እትደልዩ እዞም ዝስዕቡ ሮቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም ።

1. በዚ ዘርፊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘልዎ፣

2. ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለልዪ ቁፅሪ /ቲን / ከቅርብ ዝክእል፣

3. ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልማዓት ደራን ከባቢኣን ቢሮ ክወድስዱ ዝክእሉ፣ 4 እቶም ሕጋውያን ነጋዶ ካብ በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ትካላት ጥዕና ትገራይ ንህፃናት ዝውዕል ብሽኩቲ ንከምርት ናይ ምስክር ወረቀት ዝተዉሃዎ ምኵኑ ከቅርብ ዝክእል ፥

5. ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ብሽም ትካልና ብር 75,000(ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ናይ CPO ጨረታ ቅድሚ ምዕፃው ናብ ጨጨረታ ሳንዱቕ ከእቱ ወይም ከትሕዝ ዝክእል ብተወሳኺውን ናይ ዘቕርቦ ብሽኩቲ ናሙና ከቕርብ ዝኽእል፡

6. ብመቕረባይ ዝምላእ ዋጋ ትካል ካብ ዘቕርቦ ናይ ዘቕርቦ ናይ ዋጋ መውሃቢ ቕጥዒ ወፃኢምቕራብ ኣይፍቀድን፣

7. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብመምርሒ ተጫረቲ መሰረት ተማሊኡ ብ ፖስታ ተዓሽጉ ማህተምን ፍርማን ገይሮም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ዕለት 10/11/2016-17/11/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልማዓት ደራን ከባቢኣን ኣብ ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ክትገብሩ

ይግባእ፣

8. እቲ ጨረታ ዕለት 17/11/2016 ዓ/ም ሰዓት 9: 00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት 9:30 ብኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ቢሮ ማሕበር ልማዓት ደራን ከባቢኣን ኢስት-ኣፍሪካ ጋርደን ይክፈት፣

9. ኣብ እዋን ጨረታ ተጫረቲ ወይ ከኣ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብዘለዉሉ ይክፈት ፣በቲ ዝተብሃለ እዋን ኣብቲ ቦታ እንድሕር ዘይተረኪቡ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘይብሉ ዝክፈት ይከዉን፣

10. ንዋጋ ሓደ ሰነድ ዘይምለስ 200 ብር ኮይኑ ሰነድ ጨረታ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልማዓት ደራ ከባቢኣን ኢስት-ኣፍሪካ ጋርደን ወይድማ ካብ ጥሕሎ ዓለሳ ጥቃ ዮርዳኖስ ብሉ ካፌ ካብ እዚ ጨረታ ኣብ ኣየር ካብ ዝወዓለሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምውሳድ ይከኣል፣

11. እዚ ግልፂ ጨረታ እዚ ሰዓራይ ካብ ዝግለፀሉን ደብዳቤ ካብ ዝፀሓፈሉን ግዜ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልገል፣

12. ሰዓራይ እቲ ዘቅረቦ ንብረት ብበዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ትካላት ጥዕና ትግራይ ተፈቲሹ ፅሬቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይከዉን፣

13. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፂኢት ምስተገለፀ እንድሕር ደኣ ምስ ትራንስፖርቱ ዘሸነፈ እንተኮይኑ ኣብ ውሽጢ ተከታተልቲ 5 መዓልቲ ካብ መካዚንኡ ናብ ወርዳ ኣፅቢ ዝርከባ መካፋፈሊ ቦታታት ማለት እዉን ኣብ ሩባ-ፈለግን ከተማ ደራ ከብፅሕ ኣለዎ።

14. ዝተገዘአ ብሽኩት ዝበፅሓሉ ቦታ ካብ መቐለ ናብ ደራ ዘሎ ርሕቀት ብማእከላይ 90 ኪ.ሜ ከምዝኮነ፣

15. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለትን ፍርማን ክህልዎ ኣለዎ ከምኡ ድማ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘልዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የቡለን።

16. እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ማሕበር ልማዓት ደራ ከባቢኣን ናይቲ ዝግዛእ ንብረት ዓቐን ከም ኣድላይነቱ ካብ ነፍሰ ወከፍ ዓይነት ንብረት ክቕንስ ይክእል እዩ።

17. ማሕበር ልማዓት ደራ ከባቢኣን ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብምሉእ ወይ ብክፋል

ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፣

18. ተውሳኪ ሓበሬታ እንትደልዩ ኣብ ዋና ቤሮ ማሕበር ልማዓት ደራ ከባቢኣን ኢስት-ኣፍሪካ ጋርደን ወይም ካብ ጥሕሎ ዓለሳ ጥቃ ዮርዳኖስ ብሉ ካፌ ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይከኣል፣

ስልኪ ቁፅሪ፥

0975686746/0912376962/ 0935804072/0966286017

ታ.ቁ.ዓይነት ዝዕደግመቀኒበዝሒ ዝዕደግ ካርቶን በሽኩንፅል ዋጋ ምስ ትራንስፖርንፅል ዋጋ ብዘይትራንስፖጠቕላላ ዋጋ ምስ ትራንስፖርጠቕላላ ዋጋ ብዘይ ትራንስፖርትመብርሂ
ብርሳንቲብርሳንቲብርሳንቲብርሳንቲ
1ዩኒክ ብስኩት ወይ ተመሳሳሊካርቶን790
ድምር