Network of charitable societies of HIV positive in tigray

ንኻልኣይ ግዜ ዝወፀ

ግልፂ ናይ ጨረታ ማስታወቂያ

ጥምረት ኤች.ኣይ. ቪ ፖዘቲቭስ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ትግራይ ብትእዛዝ ናይ ሕጊ ኣካል፤ ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ካብ 2020 ክሳብ 2023 ብገለልተኛ ናይ ደገ ኦዲተር ናይ ሒሳ ናይ ንብረትን ኦዲት ኣግቢሩ ከቕርብ ትእዛዝ ስለዘተውሃቦ፤ ቐፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት ዘማልኡ ተወዳደርቲ ክሳተፉ ይዕድም::

1. ኣብ 2016 ዓም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቓድ ንግዲ ከቕርብ ዝኽእል፣

2. ናይ ግብሪ መኽፈሊ ቑፅሪ (TIN) ከቕርብ ዝኽእል፣

3. ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን፣

4. ብናይ ሒሳብ ኦዲት ቦርድ ዝሓደሰ ናይ ሞያ ፍቓድ ዘለዎ፣

5. ካብ 2020 ክሳብ 2023 ናይ ጥምረት ኤች ኣይ ቪ ፖዘቲቭስ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ትግራይ ናይ ሒሳብ ይኹን ናይ ንብረት ኦዲት ገይሩ ዘይፈልጥ፣

6. ኣብ ውሑዳት መዓልትታት ኦዲት ጌሩ ከቕርብ ዝኽእልን

7. ቤት ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብኸፊል ይኹን ሙሉ እ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ሒታት እተማልኡ ተጫረቲ እዚ ናይ ጨረታ መፀዋዕታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 07 መዓልትታት ካብ ትካልና ናይ ጨረታ ሰነድ ክትወስዱ ትኽእሉ ምኳንኩም እናሓበርና እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ መዓልቲ ሰሉስ ሓምለ 09፣ 2016 ዓ.ም ሰዓት 8:00 እንትኸውን ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ድማ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሰዓት 09:00 ይኸውን:: ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ:- +251 914 74 89 89፣ ተወከሱና::

*