UNITED STEEL AND METAL INDUSTRY P.L.C

Date/4: 3/11 /2016. 

Ref No/TC: USMI/5603/16.

ምልክታ ጨረታ - ቐረብ ግልጋሎት ካፍተርያ

ዩናይትድ ስቲልን ሜታልን ኢንዱስትሪ ሓላ/ዝተ/ው ማሕበር ኣብ ላጪ . ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ውሽጢ ንዘሎ ናይ ሰራሕተኛ ክበብ፡ -መስርሒ ገዛ፣ መብራህቲ ማይ፣ ወናብር፡ መብሰሊ ኣቑሑት ፍሪጅን ካልኦት መሰረታዊ ናውቲ ክሽነን ብነፃ ብምቕራብ ምግብን ካልኦት ቀረብ ግልጋሎትን ተመጣጠኒ ብዝኾነ ዋጋን ብዕሬትን ከቕርቡ ዝኸእሉ ትካላት ብጨረታ ብምዕዳም ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. በቲ ዘፈር ግልጋሎት ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝኽእል፣

2. ኣብቲ ስራሕ ተሞክሮ ዘለዎን (ብመረዳእታ ዝተደገፈ) ዝድለ ናይ ምግቢ ዓይነትን መስተን (ኣብ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝተጠቐሱ) ከቕርብ ዝኸእልን፣

3. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ(CPO) ብር 3,000.00 ከትሕዙ ዝኸእሉ፣

4. ተጨረታ ከም ዝሰዓረ ካብ ዝተነገሮ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲታት ውዕሊ ብምእሳር ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ግልጋሎት ምሃብ ክጅምር ዝኽእል፣

5. ዝርዝር ድሌት መግለፂ ጨረታ ትካልና ካብ ዘቕርቦ ናይ ዋጋ መቕረቢ ቅጥን ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቕርብ ተቐባልነት የብሉን፣

6. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ፋብሪካ ላጪ ጥቓ ደስታ ማተምያ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ሓሙሽተ ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምውሳድ ይከኣል፣

7. ትካልና እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

8. እዚ ጨረታ ዕለት 09/11/2016 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት ንጉሆ 4፡30 ኣብ ትካልና ይኸፈት፡፡