Tigray Army Centeral Referral Hospital Mekelle

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ መቐለ ንውጉኣት ተጋደልቲ ቀለብ ዝውዕል ፀባ ዝርዝር ዓይነቱን መጠኑን ኣብ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብንፁር ዝተቀመጠ ኣሪቱ ክገዝእ ይደሊ፡፡

እዞም ዝስዕቡ ረቋሓታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ተጫረቲ ናይ 2016 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈሉ፣ ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሱ፣ በቲ ዘርፊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ቲኦቲ ዘቅርቡ ኮይኖም ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ፡፡

2. ተጫረቲ ኣብ ዘእትውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ቲኦቲ ከይሓወሰ ንሓደ ዝሽጥዎ ዋጋ ጥራሕ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቮሎፕ ከረክቡ ይግባእ፡፡

3. ተጫረቲ ብ ማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 20/10/2016 ዓ/ም ጀሚረኩም ክሳብ ዕለት 02/11/2016 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳጥን ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ፡፡

4. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዓይነት ቀረብ ብዝተኣዘዘ ግዘ፣መጠንን ዕሬትን ብመዐቀኒ ተዓቂኑ ክሓልፍ ዝኽእል ክኸውን ይግባእ።

5. እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ዕለት 02/11/2016 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 4፡00 ተዓዕዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4፡30 ይኸፈት፡፡

6. ናይ ጨረታ መኽበሪ 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ብማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ፡፡

7. ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 ብር ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምኸፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ።

8. ተጫረቲ ማሕተም ዘለዎ ሙሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቁፅሮምን ከቐምጡ ኣለዎም ፡፡

9. ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ንብረት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ብውዕሉ መሰረት ኣታዊ ምግባር ይጅምር ፡፡

10. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ከዓ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

11. ተጫረቲ ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐስፊኬሽንን ንዝፈጠርዎ ጌጋ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኩም ብጥንቃቐ ክትመልኡ ይግባእ፡፡