enticho Municipality city

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ከይዲ ስራሕ ት/በ/ዕ/ፋን/ምምሕዳርን ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት ፣ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ ህንፃ መሳርሒ ፣ ቀወምቲ ናይ ቢሮ ኣቁሑት /ፈርኒቸራት/ ሕትመትን ብግልፂ ጨረታ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቃሒ እተማልኡ ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

1. በቲ ዘርፊ ናይቲ ዘመን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ አርጅናልን ሓደ ኮፕን መረዳእታ ከቕርብ ዝክእል

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ፐ ሰርተፊኬት አርጅናልን ሓደ ኮፕን ከቕርብ ዝክእል

3. ንተወሳኪ እሴት ታክስ NAT) ዝተመዝገበ - VAI ምዝገባ ሰርተፊኬትን ናይዚ ዘመን VAT ድክለሬሽን አርጅናልን ሓደ ኮፕን ከቕርብ ዝክእል ናይ ወርሒ መጋቢት 2016 ዲክለር ዝገበረ

4. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ካብ ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንስን ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ዘለኩምን

5. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝተኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እነትጮ ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝክእል

6. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ብንፁር ዝንበብን ስርዝ ድልዝ ዘየብሉን ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ናይ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ፌርማን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ማህተምን ዝዓርፎ ኮይኑ ብፖስታ ተዓሒጉ ከቕርብ ዝክእል

7. ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ካብ ዕለት 14/10/2016 ዓ/ም ክሳብ 27/10/2016 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዝያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ክትወዳደሩ ይዕድም

8. ተጫረቲ ናይ መክበሪ ሰነድ ጨረታ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብር 3,000 v ንኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት 5,000 v ንቀወምቲ ናይ ቢሮ ኣቁሑት (ፈርኒቸራት/ ብር 4,000 ፡ ንህንፃ መሳርሒ ብር 3,000 ፣ ንሕትመት/ሌጀር/ ብር 2,000 ብሽም ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ዝፍለጥ ንግዲ ባንኪ ሒሳብ ቁፅሪ 1000103569285 ወይ ኣንበሳ ባንክ ሒሳብ ቁፅሪ 00312075077-75 ብኣታዊ ደረሰይ ወይ ብCPO ወይ ውን ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ፅሕፈትና ጨረታ ሳንዱቕ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቕርብ ዝኽእል

9. ተጫረቲ ናይ ሰነድ ጨረታ መግዝኢ ዋጋ ዘይምለስ 200 /ልተ ሚኢቲ ብር/ ብምክፋል ክትወስዱ ትኽእሉ

1. እቲ ጨረታ ዕለት 27/10/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8፡30 ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ድሕሪ ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ እንትጮ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት

11. ቤት ፅሕፈትና ነቲ ግልፂ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

12. ቤት ፅሕፈትና ሰዓራይ ዘቕርቦ መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ ወይ ክውስከ ይክእል እዩ

13. ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ናብ ቤት ፅሕፈትና ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ዝከውን ኮይኑ ኣብቶም ዝሰዓሮም ቀወምቲ ንብረት ዋስትና ክወስድ ዝክእል

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብሞባይል ቁፅሪ 0914113996 ደዊልካ ምሕታት ዝካኣል ምካኑ ንሕብር