Mekoni Town office of water supply

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ መኾኒ ንቤት ፅሕፈት ዘገልግል ናይ ማይ ናውቲ ኣቁሑት ማለት እውን HDPE Pipe& Fiting, GS Fiting Plumping Toolsመጋጥምን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ ዝተዘርዘሩ ረቓሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም::

ሕድሕድ ተጫራቲ ከማልኦ ዝግበኦ ግዴታታት

1/ ናይ 2016 ዓ/ም ግብሪ ዝኻፈሉ ምኻኖም መረዳእታ ዘቅርብ

2/ ብኣቁሑት መቅረባይነት ዝተመዝገበን ናይ መቅረባይነት ወረቀት ከቅርብ ዝኽእል

3/ Vat ዝተመዝገበን ወርሓዊ ድክለሬሽን ዘቅርብን ናይ ኸፈልቲ ግብሪ መለለይ/TI/ ወርሓዊ ድክለሬሽን ዘቅርብን

4/ ሙሉእ ዶክመንት ብ2ፖስታ ኣሽጉ ኦርጅናልን ኮፒን መልኡ ከቅርብ ዝኽእል

5/ ጨረታ መክበሪ ውዕል 30,000/ሰላሳ ሽሕ ቅርሺ/ ብጥረገንዘብወይም ብCPO ከትሕዝ ዝኽእል

6/ ጨረታ ሰዓራይ ኣብ ውሽጢ 5+ማዕልቲ ውዕል ክኣስር ኣለዎ::10% ውዕሊ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ ብምትሓዝ ዘትሐዞ መኽበሪ ጨረታ ይምለሰሎም::

7/ ጨረታ ዝፀንሓሉ እዋን ካብ ዕለት 18/10/2016 ክሳብ 22/10/2016 ዓ/ም ንተከታታሊ 5+ ናይ ስራሕማዕልቲ ኮይኑ ጨረታ ሰነድ ዝውሰደሉ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኩሉ ግዜ ቅድሚ ሰዓት ካብ ንጉሆ 2:00 ክሳብ 6:30 ድሕሪ ስዓት ድማ ካብ 8:00 ክሳብ 11:30 ኾይኑ ኣብ ቤት ፅ/ት ግ/መ/ማይ ከተማ መኾኒ

8/ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት ካብ 23/10/2016 ስዓት 3:30

9/ ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ካብ 23/10/2016 ስዓት 4:00 ይኸውን

10/ ጨረታ ምስተኻፈታ ተጫራቲ ኣካል ኣብ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪሓሳብ ለውጢ/ምምሕያሽ ኣይከኣልን::

11/ እቲ ጨረታ ተጫራታይ/ሕጋዊ ወኪል/ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት::

12/ እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::