ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ እዞም ዝስዕቡ ረቀሕታት እተማልኡ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ብምዉሳድ ንክትወዳደሩ ይዕድም
ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቀሕታት
- ንዝዋዳደርሉ ሎት ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዋና ምስዘይምለስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
- ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ዘቅርብን
- ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን መረዳእታ ዘቅርብን
- በቲ ዘፈር ሕጋዊ መቅረባይነት ካርድ ከቅርብ ዝክእል
- ናይ ወርሒ ለካቲት 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
- ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈትን ፅሬትአቁሑትን 5,000 ቅርሺ ንኤለክትሮኒክስ 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ናይ ሕድሕድ ሎት ከትሕዝ ዝክእል
- ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 01 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል
- ጨረታ ካብ 21 መጋቢት 2008 ዓም ክሳብ 5 ሚያዝያ 2008 ዓም ተለጢፉ ይፀንሕን 6 ሚያዝያ 2008 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ ሰዓት 3:30 ይክፈት
- ተወዳደርቲ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ትካሎም ማህተም ናይ ዝምልከቶ አካል ፊርማ ክዓርፈሉ አለዎ
- ኣብ ዝተፈላለዩ ሎታት እንትወዳደሩ ንሕድሕድ ሎት ናይ ባዕሉ መክበሪ ጨረታ ከትሕዝሉ ይግባእ
- ተጫረቲ ንዝዋዳደርሉ ዓይነት ንብረት ሽም መፍራይ ወይ ብራንድ ኔም ሞዴል ቁፅሪ ክገልፁ ይክአሉ እዮም
- ናይ ዝግዛእ አቅሓ ከምአድላይነቱ ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰል አለና
- እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344480183 ብምድዋል ወይድማ ብኣካል ብምቅራብ ምሕታት ይከኣል