ናይ ህንፃ መሳርሒ (ሎት-3 ) : ላብራቶሪን ኬሚካልን (ሎት -4)
በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ
1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝኸፈሉ ንግዲ ፍቓዶም ዘሐደሱ ቲን ቑፅሪ ዘለዎም ቫት ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቕርቡን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓ/ም ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ(VAT) ዲክለር ዝተገበሮ መረዳእታ ኣብ ጨረታ ሰነድ ክተሓሓዝ አለዎ::
2 ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ብሽም ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ዝተሰርሐ ናይ 3,000 ብር ስፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ ኦርጅናልን ኮፒን ናይ ጨረታ ዶክመንት ብሽምዒ ብዝተኣሸገ ፖስታ ከቕርቡ ዝኽእሉ::
3 ተጫራታይ ናይ ጨረታ ዶክመንት ካብ ዕለት 18 /04/2008 ዓ/ም ጀሚሩ አብ ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ቢሮ ቑፅሪ 24 ብምምፃእ ዘይምለስ ብር 30 /ሰላሳ/ ብምክፋል ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ዶክመንት ክሳብ ዕለት 09/05/08 ዓ/ም ዘሎ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ምእታዉ ይኽኣል::
4 ኣብ ዝቐረበ ናይ ጨረታ ዶክመንት ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይቲ ትካል ክህልዎ አለዎ::
5 እቲ ጨረታ ዕለት 09/05/2008 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ አብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸበሉ ይኽፈት::
6 ጨረታ ሰዓራይ ምስተፈለጠ ዉዕሊ መኽበሪ 10% ብምትሓዝ ካብ ዘአተወሉ ዉዕሊ እዋን ጀሚሩ ንብረት ኣታዊ ይገብር::
7 እቲ ቢሮ ካብቲ ዝተዘርዘረ መጠን ንብረት ክሳብ 25% ምውሳኽን ናይ ምቕናስን መሰል አለዎ::
8 ተጫራታይ ግልፂ ኣብ ዘይኾነሎመ ነጥብታት መብርሂ ወይ መመሐየሺ ሕቶ ከቅ ከቕርቡ ዝክእሉ ጨረታ ዝኽፈተሉ እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን::
9 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
ንተወሳኪ ሐበሬታ ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ፋይናንስን ዕዳጋ ንብረት ምምሕዳር ምሕታት ይከኣል
ኣድራሻ ማእኸል ምርምር ሕረሻ መቐለ ዒላላ ታፈረ ስብሓት መናፈሻ ፊት ንፊት
ስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 80 29