⚡ AI Quick Summary
* ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 21/10/2026 ዓ/ፈ ክሳብ 22/10/2026 ዓ/ፈ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ካብ ዝርከብ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ምዉሳድ ይከኣል።
* ጨረታ ብዕለት 22/10/2026 ዓ/ፈ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቐትሪ ተዓፅዩ፡ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቐትሪ ይኽፈት።
* ተወዳደርቲ ሕጋውያን መቕረብቲ ክኾኑ ዝግበኦም ኮይኑ፡ ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሕተምዎ ሓዱሽ ቅብሊት ወይ ናይ ካሽ ረጅስተር መሽን ዘለዎም ክኾኑ ኣለዎም።
ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ CRS ብዝተረኸበ ሓገዝ
1. ምስር ድፉን ናይ ደገ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ በቲ ዘርፊ ሕጋዉያን መቕረብቲ ዝኾንኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 21 /10 /2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 22 /10/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 8:30 ድሕሪ ስዓት ኣብ ዘሎ ግዜ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኸእሉ።
✓ ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 22 /10/ 2026 ስዓት 8:30 ድሕሪ ቐትሪ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት 22 /10/ 2026 ስዓት 9:00 ድሕሪ ስዓት ይኸዉን
መብርሂ፤ ኣብ ጨረታ ክሳተፍ ዝኽእል ሓዱሽ ቅብሊት ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሐተመ ወይ ካሽ ረጅስተር መሽን ዘለዎ ጥራሕ ክኸዉን ኣለዎ
ምስ ሰላምታ