⚡ AI Quick Summary
* ተጫረቲ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ VATን TINን መረጋገፂ፣ ወርሓዊ ዲክላሬሽንን ኣብ ናይ መቕረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም ዝገልፅ መረዳእታ ከቕርቡ ዘለዎም ኮይኖም፣ መኽበሪ ጨረታ 15,000 ብር ብCPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ።
* ሰነድ ጨረታ ብዘይምለስ 100 ብር ካብ ዕለት 05/01/2019 ዓ/ም ክሳብ 14/01/2019 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ኣብ ዘሎ ጊዜ ካብ ቢሮ ቑፅሪ 18 ምግዛእ ይከኣል።
* ጨረታ ብዕለት 14/01/2019 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5፡00 ይኽፈት፤ ዝሰዓረ ትካል እውን ክሳብ ሰነ 30/2019 ዓ/ም ውዕሊ ኣሲሩ ግልጋሎት ምሃብ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ።
ዕለት፦ 05/01/2019ዓ/ም
ጨረታ ቑፅሪ ኣኣመዜ/ጨ.ቑ/ግል 01/2019
ምልክታ ግልፂ ጨረታ ፅገና መኪና
ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬትዕደጋን ፋይናንስን ኣብ በጀት ዓመት 2019ዓ/ም ዘለዎኦ ዓበይትን ኣናእሽተይን መኻይን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከፀግን ይደሊ፣
1. ፅገና መኪና ጋራዥ
ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ሮቛሒ ናይ ዘመኑ ዝተሃደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም፣ ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑ፣ መፍለይ ቑፅሪ(TIN) ዘለዎም፣
ወርሓዊ ዲክላሬሽን ዘቕርብን ተወሳኺ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበን ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ብዘውፀኦ መምርሒ በቲ ዘርፊ ዝተሰማረው ኣብ ዝርዝር መቕረብቲ ዝተመዝገቡ ምዃኖም ምዃኖም ዝገልፅ ዝተሓደስ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከቕርቡ ዝኽእሉ።
1 መኽበሪ ጨረታ
15,000.00 (ዓሰርተ ሓሙሽተሽሕ ብር)ብባንኪ ዝተረጋገፀ C P.O ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝኽእሉ።
2. ዋጋ ሰነድ ጨረታ
ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 100.00 ካብ ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክ/ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋን ፋይናንስ ቢሮ ቑፅሪ 18 ካብ ዕለት 05/01/2019 ዓ/ም ክሳብ 14/01/2019 ዓ/ም ክሳብ 3፡00 ሰዓት ኣብ ዘሎ ጊዜ ምግዛእ ትኸእሉ።
3. ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝኸፈተሉን ዕለት ስዓትን
ጨረታ ብዕለት 14/01/2019 ዓ/ም ስዓት 4፡30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ስዓት 5:00 ይኸፍት።
4. ጨረታ ሰዓርቲ ዝኾነ ትካላት ዝሰዓርዎ ግልጋሎት ፅገና መኪና ክሳብ
ሰነ 30/2019 ዓ/ም ውዕሊ አሲሮም ግልጋሎት ክህቡ ዝክእሉ።
5. ኣካዳሚና ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ
ዝተሓለወ እዩ።
NB ፦ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብሰቑ 0914169568/0939653582 ምሕታት
ይካኣል'ዩ።
እንርከበሉ ኣድራሻ፦ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ቀበሌ 16 ድሕሪ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ቅድሚ ሕዚ ኮሎጅ ሶሎዳ ዝነበረ ኣስፈሀት ህንፃ
ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ ክልል ትግራይ መቐለ