Shere Endaslase Planning and Finance Office

  • ናይ 2018 ን2019 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቲን ናምበር ዘለዎም ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • ናይ 2018 ዓም ን 2019 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • ተጫረቲ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ቅዳሕ ከቅርብ ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዋጋ ሐዊሶም ክመልእ አለዎም ተወሳኪ እሴት ታክስ እንተዘይ ሐዊሶም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊስኩም ከምዝመለአኩም ተገይሩ ይሕሰብ
  • ናይ ወርሒ ሐምለ 2018 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክለር ቅዳሕ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  • ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 28/12/2018 ዓም ክሳብ 15/1/2019 ዓም ናይ ስራሕ መዓልቲታት ኣብ ዘሎ እዋን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ንብረትን ምምሕዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ቀበሌ 03 ኣብ ዉሽጢ ኣዳራሽ ሃፈቶም ግቢ ቢሮ ቁፅሪ 19 ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብምምፃእ ዘይምለስ 500 እናድካፈልኩም ክሳብ ሰዓት 3:30 ክትወስዱ ትክእሉ
  • እቲ ጨረታ ዕለት 15/1/2019 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  • ናይ ጨረታ መከበሪ መሳርሒ ፅሕፈት 30000 ፡ ኣቅሑት ፅሬት 5000 ፡ ኤሌክትሮኒክስ 10000 ፡ ፈርኒቸር 10000 ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  • ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ምካኖም ምስተገለፀሎም በቲ መምርሒ መሰረት ዉዕሊ ክኣስሩን ዝክእል
  • ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ባዕሎም ክታም ማህተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ተቀባልነት ከምዘይብሉ ንግልፅ
  • ቤት ፅሐፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ