⚡ AI Quick Summary
* ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 300 ብር ብምክፋል ካብ ሆስፒታል ሱሑል ቢሮ ቁፅሪ 5 ምውሳድ ዝኸኣል ኮይኑ፣ ንሕድሕድ ዘፈር መክበሪ ጨረታ ብCPO 10,000 ብር ብስም ሆስፒታል ሱሑል ከተሕዝ ኣለዎም።
* ጨረታ ካብ 11/12/2018 ዓ.ም ክሳብ 26/12/2018 ዓ.ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓሺጉ ዝኣቱ ኮይኑ፣ ብ26/12/2018 ዓ.ም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ሆስፒታል ሱሑል መኣከቢ ኣዳራሽ ይኽፈት።
* ኣብ ሰነድ ጨረታ ዘይተደገፈ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ፣ ፊርማን ማህተምን ዘይብሉ ፖስታ ካብ ውድድር ወፃኢ ይኸውን።
1 ናይ 2018 ወይ2019 ዓም ሕጋዊ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ :ዝተሐደሰ መቅረባይነትን : ቲን ናምበርን ዘለዎ
2 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ናይ ሰነ 2018 ዓም ዲክለሪሽን ሪፖርት ዘቅርብ
3 ኣብ ዋጋ መምሊኢ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዝገበረ ፓራፍ ዘይብሉ ኣብ ዉድድር ዉድቂ ይከዉን
4 አብ ነብሰወከፍ ሰነድ ጨረታ ፊርማን ማህተምን ፖስታ ማህተም ዘይብሉ ካብ ዉድድር ዉድቂ ይከዉን
5 ኣብ ዝወዳደሩ ሕድሕድ ዘፈር ጨረታ መከበሪ ብስፒኦ 10000 ቅርሺ ጥራሕ ብሽም ሆስፒታል ስሑል ኣብ ሕጋዊ ባንኪ ከትሕዝ ዝክእል
6 ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 300 ብር ብምክፋል ካብ ከይዲ ስራሕ ዕቃባ ንብረት ምምሕዳር ፋይናንስን ሆስፒታል ሱሑል ቢሮ ቁፅሪ 5 ምዉሳድ ይከኣል
7 ጨረታ ዝፀንሐሉ እዋን ካብ 11/12/2018 ዓም ክሳብ 26/12/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ሰዓት ስራሕ ቢሮ ቁፅሪ 5 ከይዲ ስራሕ ዕቃባ ንብረት ምምሕዳር ፋይናንስን ምእታዉ ይከኣል
8 ጨረታ ዝዕፀወሉ 26/12/2018 ዓም ሰዓት 4:00 ይዕፀዉ ጨረታ ዝክፈተሉ ቦታ ሆስፒታል ሱሑል መኣከቢ ኣዳራሽ ተጫረቲ ኣካላት ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ 26/12/2018 ዓም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት
9 ተጫረቲ ንዝወዳደረዎ ንብረት ማለት ምረኣያ ዘድለዩ እንተኮይኑ ካብ ትካልና መፂእኩም ብምርኣይ ክትወዳደሩ ከምትክእሉ ንሕብር
10 ሆስፒታል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0948456400 0949692830