⚡ AI Quick Summary
* ተጫረቲ ኣብ መግቢ (Food items) ወይ ዕሬት ኣቑሑት ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ መሽን ወይ ብርሃንና ሰላም ዝተሓተመ ደረሰኝ ዘቕርቡን ክኾኑ ኣለዎም።
* ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 11/08/2026 ኣ.ፈ ክሳብ 18/08/2026 ኣ.ፈ ኣብ ክፋል ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ካብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ምዉሳድ ይከኣል።
* እቲ ጨረታ ብዕለት 18/08/2026 ኣ.ፈ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቐትሪ ተዓፅዩ፤ ኣብቲ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቐትሪ ይኸፈት።
ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ MI ዝተፈላለዩ ንተምሃሮ ምግብና ዝዉዕል ዘይቲ ብልዒ ከምኡዉን ንመሕፀቢ እድ ዝኸዉን ናይ ኢድ ሳሙና ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ
➢ ብ Food items ከምኡዉን ብዕሬት ኣቑሑ ሕጋዉያን መቕረብቲ ዝኾንኩም ነጋዶ ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 11 /08/2026 ኣ.ፈ ክሳብ ዕለት 18 /06/ 2026 ኣ.ፈ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።
➢ እቲ ጨረታ ዕለት 18 /08/2026 ኣ.ፈ ስዓት 8:30 ድሕሪ ቐትሪ (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ይኸፈት ::
➢ ተወዳደርቲ ዘቕርብዎ ደረሰኝ ናይ መሽን ወይ ካብ ብርሃንንና ሰላም ማተምያ ቤት ዝተሓተመ
ምስ ሰላምታ