Tigray Development Association

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት መፈፀሚ ዝውዕል፡-

➢ ሎት 1 - ሞተር ሳይክላትን ናውቲ ሞተር ሳይክላትን

➢ ሎት 2 - ህንፃ መሳርሒ

➢ ሎት 3- ናውቲ ፅሬት

ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም መቕረብቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2018 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ግንቦት 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

5. መኸበሪ ጨረታ ብስፒኦ (CPO) ጥራሕ ንሎት 1 ብር 30,000.00፣ ንሎት 2 ብር15,000.00፣ ንሎት 3 ድማ ብር15,000.00 ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

6. እዚ ግልፂ ጨረታ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልኦ ዋጋ መኸበሪ ውዕሊ ብምትሓዝን ዘየማትእ ውዕል ብምእሳርን ኣብቲ ውዕሊ ብንፁር ኣብ ዝቕመጥ ጊዜ ገደብ ከቕርብ ዝኽእል፡፡ ብመሰረት ዝተኣሰረ ውዕሊ እንተዘይኣቕሪቡ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ትካልና ካልእ መማረፂ ይጥቀም፡፡

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡

8. ኣብ ሰነድ ጨረታ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

9. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ፊት ንፊት ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 430 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ

ሰዓት ናይ ሓደ ሎት ሰነድ ብር300.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣

10. ማ.ል.ት እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣ 

11. እዚ ጨረታ ዕለት 13/12/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ቢሮ ቑፅሪ 410 ይኸፈት፡፡

ማ ሕ በ ር ል ም ዓ ት ት ግ ራ ይ!