ምልክታ ጨረታ
ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ናይ 2018 በጀት ዓመት ሒሳቡ ብናይ ደገ ኦዲተራት ኣወዳዲሩ ከመርምር ስለዝደሊ ነዞም ረቋሒታት እተማልኡ ኦዲተራት ኣብዚ ጨረታ ክትካፈሉ ንዕድም፣
1. ብፌደራል ወይ ብክልል ናይ ኦዲት ፍቃድ ዝተውሃቡን ዘቕርቡን
2. ስሩዕ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም
3. ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ፍቃድ ዘሓደሱን
4. ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ/ቲን/ዘለዎም
5. በቲ ሞያ ልምድን ክእለትን ዘለዎምን መረጋገፂ እንተነኣሰ መረዳእታ ዘቕርቡ
6. ሰዓራይ ምዃኑ ምስተነገሮ ብቀጥታ ውዕሊ ኣሲሩ ስራሕ ዝጅምር ዝሰርሕሎም ትካላት
እዚ ጨረታ ብምልክታን ካብ ዝተጋውሓሉ ዕለት ጀሚሩ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብፖስታ/ኢንቨሎፕ/ ዓሺጉም ኣብ መቐለ ቤት ፅሕፈትና ኣብ ከባቢ ደብረ ዳሞ ሆቴል / ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ዘለውዎ ህንፃ 4ይ ደብሪ ከእትው ኣለዎም፡፡
7. ትካልና እቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። 8. ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 05/12/2018 ዓ/ም ሰዓት 4 ይክፈት።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ቁፅሪ 0914769195/0914721446 ወይ ብኣካል ኣብ ከባቢ ደብረ ዳሞ ሆቴል ኮሚሽን ሓርበኛታት ዘለውዎ ህንፃ 4ይ ደብሪ ብምቕራብ ምሕታትን
ምርኣይን ይከኣል፡፡
ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ