Tigray High Court

ቁፅሪ:-ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን/15/019 

ዕለት:- 10/11/2018 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ስራሕቲ ጎማን ላቫጆን

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕ/ን/ምም/ርን ካብ መደበኛ በጀት 2019 ንዘለዉኦ መኪና ስራሕቲ ጎማን ላቫጆን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክሳብ ሰነ 30/2019 ዓ/ም ዉዕል ብምእሳር ከስርሕ ክግልገል/ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ/ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት

✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2018/2019 በጀት ዓመት ዘሐደሱን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡

✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይ ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2018/2019 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ፡ ዘለዎምን ዘቕርቡን እንተኮይኖም ይምረፅ፡፡

✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኸእሉ፡፡

✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእትዉዎ ፕሮፎርማ ሽም፣ ክታምን ማሕተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡

✓ ፕሮፎርማ ዝወፀሉ ዕለት 10/11/2018 ዓ/ም ይኸውን፡፡

✓ ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 14/11/2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11፡30 እዩ፡፡

✓ ፕሮፎርማ ዕለት 15/11/2018 ዓም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይ/ዕ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 44 ልክዕ ሰዓት 3፡30 ተዓሺጉ ልክዕ ሰዓት 4፡00 ዝክፈት ይኾዉን፡፡

✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ሰነ 30/2019 ዓ/ም ዉዕል ብምእሳር ግልጋሎት ብዝተኣዘዞ መሰረት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ክህብ ዝክእል፡፡

✓ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንተሃልይዎ ፌርማ ይገበረሉ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምፅራይ ውድቂ ይግበር፡፡

✓ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡