Wezam Local Textile Association

ዕለት 07/11/2018 ዓ.ም

ምልክታ ጨረታ

ማሕበርና ወዛም ዓለባ ዓዲ ህንፀት ማእከል ዕዳጋ ካብ ሓምለ -1/2018 ዓ.ም ክሳብ ሰነ- 30/2018 ማለት ድማ ናይ ሓደ ዓመት ብናይ ደገ ኦዲተር ክነግብር እናፀዋዕና ማለት ድማ፦

1- ኩሉ ኣባልና ናብ ባንኪ ጥራሕ ብምእታው ዝግበር ምንቅስቃስ እንትኮን ድሕሪ እዚ ናብ ማሕበር እናቀረበ ናይ ገንዘብ ቅብሊት ዝቆርፅ እካ እንተኮነ ብርክት ዝበለ ኣባልና ግና ኣታዊ ደረሰኝ ዘየቁርፅ ብምህላዉ ነዚ ምግንዛብን ብዋናነት ግና በቲ ናይ ባንኪ ስተትመንት መሰረት ዝካየድ ይከውን

2- ናይ ዝወፁ ኣባላት ክሳብ እታዝነበርዋ እዋን ናይ ዘለዉ ድማ ኣታዊ ብዝገበርዎ መሰረት ዝበፅሕዎ ካፒታልን ብናይ ባንኪ ወለድ መሰረት ንሕድሕዱ ዝበፅሖን ብምውርራድ ኣጠቃላሊ ሒሳብ ክሳብ ሰነ -30/2018 ናይ ሕድሕድ የመላክት

3- ኣብ ሕሉፍ ኦዲት ሰነ-2017 ዝተቀመጠ ናይ ሕድሕድ ኣባል ምስ ኣብዚ ዓመት ዝርከብ ኦዲት ብምጥማር ኣብ ናይ ሕድሕድ ኣባል ደብተር ምቅማጥ

ተጫረትቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቛሒ

4- ሕጋዊ ናይ ኦዲተርነት ፍቃድ ዘለዎ

5- ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

6- ኣብ ማሕበራት ኦዲት ጌሩ ዝፈልጥ ተኮይኑ መረጋገፂ ድጋፍ ኮፒ ኣተሓሒዙ ዘቅርብ

7- ናይ 300 ኣባላት ናብ ባንኪ ብዝኣተው ወርሓዊ ክፍሊት መሰረት ብስተትመንት መሰረት ዝካየድ ይከውን

8- ጨረታ ፃውዒት ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ካብ ዕለት 07-10/2018፡

9- ተጫረትቲ ናይ ጨረታ ሰነዶም ምስ ዘይምለስ ኮፒ ብፖስታ ተዓሺጉ ዕለት 10/11/2018 ካብ ስዓት 7:00 ድ/ስዓት ክሳብ ስዓት 9፡00 ድ/ስዓት ኣብ ዘሎ ግዘ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ይገብር።

10- ሰዓራይ ዕለት 11/11/2018 ውዕል ብምእሳር ክሳብ ዕለት 20/11/2018 ኣጠቃሊሉ ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል

11- ማሕበር ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ በዚ ጨረታ ኣይግደድን

ኣድራሻ ፦ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ /ቀበሌ 11/ ትሕቲ ቅዱስ ሚካኤል ዘሎ ናይ B.M.R ሪልስቴት ዕዳጋ ማእከል 2 ፎቅ /ሓበሬታ- 0914788762፣0914009390፣0914752816