Mekelle middle court

መ/ቁ 36178

ዕለት/15/2018 ዓ/ም

ምልክታ ጨረታ

ኣፈ ከሰስቲ፣

1 ኣይተ ዮናስ ግርማይ ዉብነህ

2 ኣይተ መርሃዊ ለገሰ መብራህቱ

ኣፈ ተከሰስቲ

1 ኣይተ ተስፋኣለም ዘመንፈስ ገ/ሚካኤል

2 ወ/ሪት ልዋም ዘመንፈስ ገ/ሚካኤል

3 ወ/ሮ ፍረወይኒ ዘመንፈስ ገ/ሚካኤል

4 ኣይተ መድሃንየ ዘመንፈስ ገ/ሚካኤል

ኣብ መንጎ ኣፈ ከሰስትን ኣፈተከሰስትን ብዘሎ ናይ ገንዘብ ክትዕ ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ቀበሌ 04 ብሽም መዋቲት ወ/ሮ ፃድቃን ተካ ዝማርያም ዝፍለጥ መዋሰኒኡ ብምብራቅ መንገዲ ብምዕራብ ሃይሉ ኣድሓኖም፡ ብሰሜን መንገዲ ብደቡብ ድማ ኣይተ ጥዑም በርሀ ዘዋስኖ ስፍሓት 250 ሜካሬ ገዛን ቦታን ዝሓዘ ንመፈፀሚ ንክዉዕል በዚ ቤት ፍርዲ ስለዝተደለየ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ገዛን ቦታን ብመበገሲ ዋጋ 2,896,890-37 (ክልተ ሚልዮንን ሸሞንተ ሚእትን ቴስዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሸሞንተ ሚኢትን ቴስዓን ቅርሺ ምስ 37/100 ሳንቲም) ብጨረታ ከምዝሽወጥ፡ ጨረታ ዝካየደሉ ኣብቲ ገዛን ቦታን ዝርከበሉ ከተማ ዓዲግራት እንትከዉን ጨረታ ዝካየደሉ ዕለት 02/11/2018 ዓ/ም ካብ ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ክሳብ ሰዓት 6፡30 ናይ ቀትሪ ፀኒሑ ልክዕ ሰዓት 6፡31 ናይ ቀትሪ ጨረታ ይዕፆ። ጨረታ ሰዓራይ እንተተፈሊጡ ናይቲ ጨረታ ዘሽነፈሉ ጠቅላላ መጠን ገንዘብ ቅድሚያ 25 % የትሕዝ ፣ እቲ ዝተረፈ 75 % ገንዘብ ድማ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ጠቅሊሉ ኣታዊ ከምዝገብርን፣ ናይቲ ገዛ ሽም ንምዝዉዋር ዘድልዩ ክፍሊታት ድማ ጨረታ ሰዓራይ ባዕሉ ከምዝሽፍን ናይ ጨረታ ዉፅኢት ድማ ንዕለት 03/11/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ናብ ከተማ መቀለ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ንክቀርብ ናይ ከተማ መቀለ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ ኣሎ።