Tigray Martyrs’ Memorial Monument center

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ዝሽወጥ ንብረት

ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ን ዝተፈላለየ ዓይነት ንብረት ብግልፂ- ጨረታ ክንሸጥ ስለ ዝደለና ድሌት ዘለኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡ መተሓሳሰቢ፡ ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1. ጨረታ ሰነድ ዝቀረበሉ እቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ተከታታሊ መዓልቲ ካብ ዕለት 10/10/2018 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 24/10/2018 ዓ.ም ሰዓት 3:30 ሳንዱቅ ጨረታ ተዓፅዩ በቲ መዓልቲ ዕለት 24/10/2018 ዓ.ም ድማ 4፡00 ይኸፈት

2. ናይ ጨረታ መኽበሪ CPO ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቸክ ብሽም ማእኸልና ከትሕዙ ዝኽእሉ ።

3. ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ መትሓዚ ስፒኦ 66,000 ብር ከትሕዙ ዝኽእል።

4. ጨረታ ሰነድ መግዝኢ ብር 200/ክልተ ሚኢቲ ብር/፡፡

5. ጨረታ ሰነድ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።

6. ማእኸልና እዚ ጨረታ ዘየዋፅኦ እንተኾይኑ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ።

7. ድሕሪ ናይ ጥርዓን ሰለስተ መዓልቲ ሰዓራይ ነቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 3' መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ ብምክፋል ካብ ንብረት ክፍሊ ወፃኢ ገይሩ ንብረቱ ይወስድ።ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ እቲ ዝሰዓሮ ጠ/ዋጋ ኣታዊ ገይሩ ንብረቱ እንተዘይኣልዒሉ እቲ መክበሪ ጨረታ ዘትሓዞ ስፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቸክ ከም ዝዉረስ ፈሊጡ ክረት ኣለዎ

8. ሰዓራይ ዝፍለ በቢ ዓይነቱ ዝለዓለ ዋጋ ዝመልአ ኮይኑ ጠቕላላ ዋጋ ብምውሳድ ይኸዉን፡፡

9. ተጫረቲ እቲ ዝሽየጥ ንብረት ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ።

10. እቶም ዝሽየጡ ንብረታት ኣብ ዘለዎ ቦታት ብኣካል ብምኻድ ምርኣይ ይካኣል።

11. ጨረታ ሰነድ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን እናመፃኩም ምውሳድን ንኡ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ዝከኣል እንትከውን ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914 11 99 71/09 14 72 50 98 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል፡፡