⚡ AI Quick Summary
* ተጫረቲ ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግድን ኮንስትራክሽንን ፍቓድ፣ TIN ሰርቲፊኬት ከምኡ እውን ብሽም እቲ ትካል ዝተዳለወ ናይ ብር 50,000.00 CPO መኽበሪ ጨረታ ከቕርቡ ይግባእ።
* ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ሰነ 08/10/2018 ዓ.ም ክሳብ ሰነ 13/10/2018 ዓ.ም ብብር 200.00 ብምዕዳግ፣ ዝተዓሸገ ናይ ዋጋ ሰነድ ክሳብ ሰነ 13/10/2018 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ኣታዊ ክግበር ኣለዎ።
* ጨረታ ኣብቲ ዕለቱ (ሰነ 13/10/2018 ዓ.ም) ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ዝኸፈት እንትኾን፣ ዝሰዓረ ኣካል እቲ ስራሕ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርትን ማቴሪያልን ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ ኣጠናቒቑ ናይ ምርካብ ግዴታ ኣለዎ።
ምልክታ ጨረታ
ትካልና ፍረ-ስዉኣት ኢንዳስተሪያል ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር እዞም ካብዙይ ንታሕቲ ኣብ ሰንጠረዥ ዝተቐመጡ ናይ ኮንስታራክሽን ዝርዝር ስራሕቲ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለ ዝደለየ ነቲ መመዘኒ ዝተማልኡ ናይ ኮንስትራክሽን ፍቓድ ዘለኩም ንክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።
| ተ.ቁ | ዓይነት ስራሕ | መለክዒ | በዝሒ | ነፀላ ዋጋ | ጠቅላላ ዋጋ | መብርሂ | ||
|---|---|---|---|---|---|---|---|---|
| ብር | ሳን | ብር | ሳን | |||||
| 1 | መፍረሲ | M3 | 12.6 | |||||
| 2 | ኮንክሪት ዝምላእ | M3 | 14.82 | |||||
| 3 | ሰራሚክ | ካሬ | 62 | |||||
| 4 | ጠርዝ ምስራሕ ብበዓል 8† ተንዲኖ 35 M3 | M3 | 10.5 | |||||
| 5 | ኮንክሪት 2 3 | M3 | 6 | |||||
1. ተጫራታይ ናይ ኮንስታራክሽ ፍቓድን ናይ 2018 ዓ.ም ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰ ምኻኑን መረጋገፂ ከቅርብ ዝኽእል::
2. ተጫራታይ መኽበሪ ጨረታ ብር 50,000.00 (ሓምሳ-ሽሕ) ብር ብሽም ፍረ-ስዉኣት ኢንዳስትሪ ኢዳስትሪያል ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር ንመኸበሪ cpo ዘትሕዝ ክኸዉን ኣለዎ፤
3. ተጫራቲ ናይ ሓደ ካሬ ዋጋን ጠቕላላ ዋጋን ብግልፂ ኣብ ዝተዋህበ ሰደቓ ክመልኡ ይግባእ ፣
4. ተጫረቲ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ(TIN) ሰረቲፊኬት ከቕርቡ ይግባእ ።
5. ተጫረቲ ዘቕርብዎ ዋጋ ቫት ዘሓወሰን ዘይሓወሰን ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ይግባእ። እንተዘይኮይኑ እቲ ዝቐረበ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ክም ዝቐረበ ተገይሩ ይወሰድ።
6. ተጫረቲ ካብ ሰነ 08/10/2018 ዓ.ም ክሳብ ሰነ 13/10/2018 ዓ.ም ዘይምለስ ብር 200.00 እናኸፈልኩም እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ትካልና ፋይናንስ ክፍሊ ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂኢኹም ክትዕድጉ ይግባእ።
7. ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ዋጋ ብፖሰታ ዓሺጎም ማሕተም ብምዕራፍ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ክሳብ ሰነ 13/10/2018 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ኣታዊ ክትገብሩ ይግባእ
8. ጨረታ ሰነ 13/10/2018 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለቱ ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉዎ ይኸፈት
9. እቲ ናይ ስራሕ ቦታ ኣብ ዉሽጢ ግቢ መሰቦ ስሚንቶ ፋብሪካ ኮይኑ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት መማረዕታት ተጠቒሙ ና ምስራሕ ጊዴታ ኣለዎ፡፡
10. ጨረታ ዝሰዓረ ኣካል ጨረታ ምስዓሩ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ብናይ ባዕሉ ማቴርያልን ትራምስፖርትን ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ እቲ ስራሕ ሰሪሑ ናይ ምርካብ ግዴታ ኣለዎ::
11. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ኣድራሻና ፣ከተማ መቐለ ዓይደር ክባቢያዊ ምምሕዳር ጥቓ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ዘሎ መዐደሊ ነዳዲ ንዉሽጢ እትዉ ኢልካ ይርከብ
ስልኪ-0914727888