Fre Swuat Industrial PLC
⚡ AI Quick Summary
* ትካል ፍረ-ስዉኣት ኢንዳስትሪያል ናይ ኣለሚንየም ፓነል (209 ካሬ)ን መስትዋትን (141 ካሬ) ገጠማ ስራሕቲ ዝገብሩ ተወዳደርቲ ይዓድም።
* ተጫረቲ ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ሰርቲፊኬት TIN፣ ከምኡ’ውን ብር 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) CPO መኽበሪ ጨረታ ከቕርቡ ይግባእ።
* ሰነድ ጨረታ ካብ ሰነ 08/10/2018 ዓ.ም ክሳብ ሰነ 13/10/2018 ዓ.ም ዘይምለስ ብር 200.00 ብምኽፋል ካብ ፋይናንስ ክፍሊ ምዕዳግ ይክኣል።
* ጨረታ ሰነ 13/10/2018 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ፡ ኣብቲ ዕለት ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኸፈት።
* እቲ ናይ ገጠማ ስራሕ ኣብ መሰቦ ስሚንቶ ፋብሪካ ዝካየድ ኮይኑ፡ ዝሰዓረ ኣካል ጨረታ ካብ ዝተገልፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ስራሑ ሰሪሑ ናይ ምርካብ ግዴታ ኣለዎ።

ምልክታ ጨረታ

ትካልና ፍረ-ስዉኣት ኢንዳስተሪያል ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር እዞም ካብዙይ ንታሕቲ ኣብ ሰንጠረዥ ዝተቐመጡ ዝርዝር ጨረታ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቑሓታት እተማልኡ ትካላት ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

ተ.ቁዓይነት ስራሕመለክዒበዝሒነፀላ ዋጋጠቅላላ ዋጋመብርሂ
ብርሳንብርሳን
1አለሚኒንየ ፓነልካሬ209
2አለምነየም መስትዋትካሬ141

1. ተጫራታይ ናይ አለምነየም መቅረባይነትን ናይ 2018 ዓ.ም ንግዲ ዘሐደሰ ምኻኑን መረጋገፂ ከቅርብ ዝኽእል::

2. ተጫራታይ መኽበሪ ጨረታ ብር 50,000.00 (ሓምሳ-ሽሕ) ብር ብሽም ፍረ-ስዉኣት ኢንዳስትሪ ኢዳስትሪያል ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር ንመኽበሪ cpo ዘትሕዝ ክኸዉን ኣለዎ፣

3. ተጫራቲ ናይ ሓደ ካሬ ዋጋን ጠቕላላ ዋጋን ብግልፂ ኣብ ዝተዋህበ ሰደቓ ክመልኡ ይግባእ ፣

4. ተጫረቲ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ(TIN) ሰረቲፊኬት ከቕርቡ ይግባእ ።

5. ተጫረቲ ዘቕርብዎ ዋጋ ቫት ዘሓወሰን ዘይሓወሰን ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ይግባእ። እንተዘይኮይኑ እቲ ዝቐረበ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ክም ዝቐረበ ተገይሩ ይወሰድ።

6. ተጫረቲ ካብ ሰነ 08/10/2018 ዓ.ም ክሳብ ሰነ 13/10/2018 ዓ.ም ዘይምለስ ብር 200.00 እናኸፈልኩም እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ትካልና ፋይናንስ ክፍሊ ኣብ ስራሕ ሰዓት መፂኢኹም ክትዕድጉ ይግባእ።

7. ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ዋጋ ብፖሰታ ዓሺጎም ማሕተም ብምዕራፍ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ክሳብ ሰነ 13/10/2018 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ኣታዊ ክትገብሩ ይግባእ

8. ጨረታ ሰነ 13/10/2018 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ ኣብቲ ዕለቱ ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉዎ ይኸፈት

9. እቲ ናይ ኣለሚንየም ገጠማ ስራሕቲ ዝካየደሉ ቦታ መሰቦ ስሚንቶ ፋብሪካ ኮይኑ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት መማረፅታት ተጠቒሙ ናይ ምስራሕ ጊዴታ ኣለዎ::

10. ጨረታ ዝሰዓረ ኣካል ጨረታ ምስዓሩ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ እቲ ስራሕ ሰሪሑ ናይ ምርካብ ግዴታ ኣለዎ::

11. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ኣድራሻና ፣ከተማ መቐለ ዓይደር ክባቢያዊ ምምሕዳር ጥቓ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ዘሎ መዐደሊ ነዳዲ ንዉሽጢ እትዉ ኢልካ ይርከብ

ስልኪ-0914727888