Tahtay Maichew woreda Planning and Finance Office
⚡ AI Quick Summary
* ተጫረቲ ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት፣ TIN ከምኡ እውን ናይ ሚያዝያ 2018 ዓ.ም VAT ሕሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቕርቡ ይግባእ።
* ሰነድ ጨረታ ካብ 27/9/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ብ200 ቅርሺ ብምግዛእ፣ ክሳብ 12/10/2018 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓሺጉ ይኣቱ፤ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ድማ ይኸፈት።
* መከበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ 10,000 ቅርሺ CPO ከትሕዙ ዘለዎም ኮይኑ፣ ዝሰዓረ ተጫራይ 10% መከበሪ ውዕሊ የትሕዝ።
* ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ፣ መፅዓንን መራገፍን ንብረት ዘብፅሕ ኮይኑ፣ ናይ ጨረታ ዋጋ ን15 መዓልታት ፀኒዑ ይፀንሕ።

1 ዝተሐደሰ ናይ 2018 ዓም ፍቃድ ንግዲ

2 ዝተሐደሰ ናይ 2018 ዓም ወረቀተ ምስክር መቅረባይነት

3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ተወሳኪ አሴት ታክስ ናይ ሚያዝያ 2018 ዓም ናይ ተወሳኪ አሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል ከምእዉን መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግበሪ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ማይጨዉ ቁፅረ ሐደ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ 27/9/2018 ዓም ጀሚሩ ምዉሳድ ይከኣል

5 ሰነድ ጨረታ ብስምዒ ዝተዓሸገ ፖስታ ወናን ቅዳሕን ብንፁር ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋ መሊኡ ክሳብ 12/10/2018 ዓም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ናብ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትዉ ይግባእ ናይ ጨረታ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ዘየቀረበ ተወዳደሩ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን

6 እቲ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ማይጨዉ 12/10/2018 ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 መከበሪ ዉሕስና ንነብሰወከፈ ዝምለስ 10000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

8 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘብሉን ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ ድማ ማህተም ፊርማ ክዓርፎ ይግባእ

9 ተጫረቲ ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ ዋጋ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ብምትሓዝ ድሕሪ ናይ ጥርዓን መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ብዝተኣዘዞ ስፐስፊኬን በዝሒን ፅሬትን ከረከቡ ምካኖም ክፈልጡ አለዎም

10 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያን መፅዓንን መራገፍን ናብቲ ዝተበሃለ ቦታ ከብፅሕ ዝክእል

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ዝቀረቡ ዝርዝር ንብረት 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምንካይን መሰል ከም ዘለዎ/ዉን ተጫረቲ ክፈልጡ አለዎም

12 መጫረቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን15 መዓልቲታት ይከዉን

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ