Tigray Development Association

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ብግልፂ ጨረታ- ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡን ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2018 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብሎ መረዳእታ ናይ ወርሒ ግንቦት 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ተኸታታሊ ቑፅሪ ዘለዎ ሕጋዊ ቅብሊት(ደረሰኝ)ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. መኸበሪ ረታ ብስፒኦ(CPO) ጥራሕ ብር30,000.00 ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

7. እዚ ግልፂ ጨረታ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልኦ ዋጋ መኸበሪ ውዕሊ ብምትሓዝን ዘየማትእ ውዕል ብምእሳርን ኣብቲ ውዕሊ ብንፁር ኣብ ዝቕመጥ ጊዜ ገደብ ከቕርብ ዝኽእል። ብመሰረት ዝተኣሰረ ውዕሊ እንተዘይኣቕሪቡ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ይጥቀም፡፡

8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንጹር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር።

9. ኣብ ሰነድ ጨረታ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ፊት ንፊት መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 430 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር200.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይኽእሉ፣

11. ማ.ል.ት እዚ ረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሎ ዝተሓለወ እዩ፣

12. እዚ ጨረታ ዕለት 17/10/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ ልት ቢሮ ቑፅሪ 410 ይኽፈት፡፡