Tigray's Patriots Commission
⚡ AI Quick Summary
* ማእኽል ሕዉየትን ሕክምናን ሓርብኛታት ትግራይ ናይ ምግቢ እታወታት (ኣትክልትን ፍራምረን) ክዕድግ ስለዝደለየ፣ ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ መቕረባይ ሰርተፊኬት ከምኡ እውን TIN ሰርተፊኬት ዘለዎም ተጫረቲ ይዕድም።
* ሰነድ ጨረታ ብዘይምለስ 100 ብር ካብ ዕለት 01/10/2018 ዓ.ም ክሳብ 11/10/2018 ዓ.ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክውሰድ ዝኸኣል ኮይኑ፣ ናይ ጨረታ ውሕስና (CPO ወይም ቼክ) 15,000.00 ብር ምትሓዝ የድሊ።
* ጨረታ ብዕለት 11/10/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ፣ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3፡30 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪላቶም ይኽፈት።
* ሰዓራይ ዝኾነ ተጫራይ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 ተኸታተልቲ መዓልታት ዝሰዓሮ ፍርያት ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ከቕርብ ይግበኦ።

ን2ይ ጊዜ ዝወፀእ ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ኣብ ማእኽል ሕዉየትን ሕክምናን ሓርብኛታት ትግራይ ናይ ምግቢ ኣታወታት ማለት እውን 

1.ኣትክልትን ፍራምረን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ

ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቓሒ ክተማልኡ ይግባእ።

ተደለይቲ ረቓሒታት

1 ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ።

2 ናይ 2018 ዓ/ም ዝታሓደሰ መቕረባይ ሰርቴፌኬት።

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ TIN ሰርቴፌኬት።

4 መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ።

5 ተጫረቲ ዘይምለስ 100.00 / ሓደ ሚኢቲ ብር /እናኸፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ማእኽል ሕዉየት ሕክምና ሓርብኛታት ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፍይናንስን ምሕድራ ንብረት ኣብ ክ/ከተማ ዓይደር ቀብሌ 03 ናይ ቀደም መለሰ ኣካዳሚ ዝርከብ ቢሮ ዕደጋን ፍይናንስን ካብ ዕለት 01/10/2018 ዓ/ም ክሳብ 11 / 10 / 2018 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሳዓት እናምፃእኹም ክትወሰዱ ትኽእሉ ምዃንኩም።

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ናይ ምግቢ እታወታት ሎት-1 15,000.00(ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ) ብር ብ Cpo ወይም ቼክ ክተትሕዙ ትኽእሉ።

7 ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ፎቶ ኮፒ ዝተዓሸገን ብተወሳኺ ኦርጅናል ኣብዝተደለየ ሳዓት ከቕርቡ ዝኸእሉ

8 እቲ ጨረታ ዕለት 11/10 / 2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳለ ዕለት 11 /10 / 2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ኣብ ከይዲ ስራሕ ፍይናንስን ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት።

9 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኸይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ናይ ምግቢ እታወታት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ተኸታተሊ መዓልቲ ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕልኹም መጓዓዝያ ናብ ማእክል ሕዉየትን ሕኸምናን ሓርብኛታት ትግራይ መለሰ ኣካዳሚ ከተቕርቡ እትኸሉ።

10 ተጫረቲ ሰብ ዋና ወይም ተወከልቶም እንተዘይተረኺቦም ምኽፋት ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን ወይም ከይተኸፈተ ዝምለስ ፖስታ የለን።

11 ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ በቲ መመርሒ ጨረታ ቁፅሪ 5/2016 መሰረት ካብ ውድድር ወፃኢ ይኾኑ

12 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይም ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብኣካል ኣብ ክ/ከተማ ዓይደር ቀብሌ 03 ናይ ቀደም መለሰ ኣካዳሚ ዝርከብ ማእኸል ሕውየትን ሕክምናን ሓርብኛታት ትግራይ ቢሮ ፍይናንስን ዕደጋ ምሕታት ትኸእሉ ኢኸም።