Kola Temben Worda Planning and Finance Office

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ኣብ ርእሲ ዋኒኑ ንምግላፅ ከም ዝተፈተነ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምም/ር ፋይናንስ ወ ቆላ ተምቤን ኣብ ባጀት ዓመት 2018 ዓ/ም ካብ ገበርቲ ሰናይ ዝተመደበሉ በጀት ንናይ ወረዳና ኣብያተ ፅሕፈት ዘገልግል ናይ ፅሬት ኣቁሑትን ናይ ማይ መሳርሕን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እታማልኡ መቕረብቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

• ኣብቲ ግልፂ ጨረታ ዝተጠቐሰ ሞዴል/Specification/ ምስራዝ ኣይካኣልን።

• እቲ ግልፂ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ክህልዎ ኣለዎ ።

• እዚ ግልፂ ጨረታ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዎ ይኽፈት በቲ ዝተብሃለ እዋንን ቦታን እንድሕር ዘይተረኸቡ ተረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘይለውሉ ዝኽፈት ምዃኑ።

• ስዓራይ ምዃኑ ምስ ተፈለጠ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ጣብያታት ከብፅሕ ዝክእል።

• ንሓደ ደኩመንት ዘይምለስ ብር 200 / ክልተ ሚኢቲ ብር / ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ወረዳ ቆላ ተምቤን ሰነድ ብምግዛእ እቲ ጨረታ ሰነድ ብዝግባእ መሊኡ ክወዳደር ዝደሊ

• ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ዝኸውን ብር 3,000 ብር ብGO ወይ ብጥረ ገንዘብ ክትሕዝ ዝኽእል ።

• ሰነድ ዝሽወጠሉ እዋን ካብ ዕለት 01/ 10/2018 ዓ/ም ክሳብ 10/10/2018 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ኮይኑ ሓደ ኮፒን ሓደ ኦርጅናል ነንበይኑ ዓሽጉ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳን ምእታው ይከኣል

• እቲ ጨረታ ዕለት 11/10/2018 ዓም ልክዕ - ስዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 4፡30 ቅድሚ ስዓት ይክፈት ዝኸፈተሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/እ ምም/ር ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 39 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት ። ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጓጎልን።

• ስዓራይ ምስ ተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕል ክኣስር ዝኽእል።

• እቲ ግልፂ ጨረታ ናይ በዓል ዋና - ማህተምን ፊርማን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ናይ ግብሪ ከፋልቲ መለለይ ቁፅሪ /ቲን ካርድ / ዘለዎን ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ክቐርብ ዝኽእልን ።

• ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወይ ተምቤን እዚ ግልፂ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙልእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

• ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወረዳ ቆላተምቤን ተሳኺ ሓበሬታ 0914158967 ወይ 0914214797

ቤት ፅሕፈት ልእ ምምር ፋይናንስ ወ/ቆ/ተምቤን