Chura Abugida Artistic Association

ምልክታ ጨረታ

ጩራ አቡጊዳ ኪነጥበባዊ ማሕበር ምስ መዳርግቲ ኣካላቱ ኮይኑ ዘተግብሮ ዘሎ “ማሕበራዊ ተነፅሎ ብምስባር፣ ስቕታ ንምስባር ፍትሕን ክብርን ንግዳያት ኲናት ዝወለዶ ፃታዊ ዓመፅ Breaking Stigma, Breaking Silence: Justice and Dignity for CRSV Survivors” ዝብል ፕሮጀክት ካብ ኣውሮፓ ህብረት EU ዝተረኸበ ፈንድ ብ-ACDD ን ICTJ ዝትግበር፤ ወፍሪ ማሕበራዊ ሚዲያ Campaign ንምክያድ ኣብዚ ዘርፊ ሞያዊ ብቅዓትን ፍቃድን ዘለዎም ናይ ራድዮ ሚዲያ ፕሮዳክሽን መሰራጨዊን ትካላት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፤

ቦታ፦ መቐለ፣ ክልል ትግራይ፣ ኢትዮጵያ

ንውሓት ውዕል፦ 1 ወርሒ

ዕላማ፤ ጩራ አቡጊዳ፣ ምስ መዳርግቱ ኣብ ዘስርሖ ዘሎ ፕሮጀክት ናይ ራድዮ ካምፔይን ንሓደ ወርሒ ንምክያድ ዝዓለመ እዩ

ነዚ ስራሕ እተማልኡ ተወዳደርት ዘድልዩ ብቕዓታትን ተመክሮታትን

ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት፣ ፆታዊ ዓመፅ (GBV/CRSV) ተዛመድቲ ስራሕቲ ዘለዎ፣ ስነ-ምግባራዊ ኣሰራርሓ (Do No Harm) ዘመስከረ።

ኣብ ናይ ረድዮ ፕሮዳክሽን፣ ናይ ምስርጫው ሚዲያ ካምፔይን ቴክኒካዊን ፈጠራዊን ብቕዓት ዘለዎ።

ካብ ሲቪል ማሕበራት ወይ ኣህጉራዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ዝሰረሐ።

ብትግርኛ ን ብእንግሊዝኛ ቋንቋታት ናይ ምስራሕ ሞያዊ ክእለት ዘለዎ።

ኣገባብ ኣቀራርባ መመልከቲ

ድልየት ዘለዎም ትካላት እዞም ዝስዕቡ ሰነዳት የቅርቡ፦

ናይ ድልየት መግለጺ (Expression of Interest - Max 2 pages)፦ ናይቲ ትካል መግለጺ፣ እቲ ስራሕ ንምትግባር ዘለዎ ኣገባብን ዘረድእ።

ናይ ስራሕ ተመክሮ፡ ቅድሚ ሕዚ ዝተሰርሑ ናይ ራድዮ፣ ሚዲያ ወፍሪ ስራሕቲ መርኣያታት ወይ Links ከቅርብ ዝክእል ።

ናይ ሰብ-ሞያ CV፦ ኣብዚ ስራሕ ዝሳተፉ ሰብ-ሞያ ታሪኽ (ደቂ-ኣንስትዮ ሰብ-ሞያ ሚዲያ ክታባባዓ ይድለያ)። ፊናንሻል ፕሮፖዛል፦ ነቲ 1 ወርሒ ስራሕ ዘድሊ ዝርዝር ባጀት

ከመይ ጌርካ ይምልከት? How to Apply

ብቕዓት ዘለዎም ትካላት ነቲ ዘድሊ ሰነዳት ካብ ዋና ቤትፅሕፈት ጩራ አቡጊዳ ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ብ 500 ብር ጥራሕ ብምዕዳግ፤ ብፖስታ ብዝተዓሸገ ስምዒ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ጩራ ኣቡጊዳ ምቅራብ ይካኣል ብተወሳኪ ብዲጂታል መገዲ ኣብዞም ዝስዕቡ ክልተ ኢሜይላት ሓቢሮም ክሰዱ ይኽእሉ እዮም፦ churabugida@gmail.com, mikirti2009@gmail.com

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪታት 0920179399 ምሕታት ይካኣል እዋን መመልከቲ፦ ካብ ሰነ 01 ስጋብ 05 2018 ዓ.ም ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቀትሪ።