Rama Town office of water and sanitation

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቁፅሪ 02 / 2018 ዓ/ም

ቁፅሪ 805/ክ/ፋ/ም/ን/ ማ-41 ዕለት 18/09/2018 ዓ/ም

ቤት ፅሕፈት ቀ/መ/ማይን ፈሳስን ከተማ ራማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ዝተፈላለዩ ናይ መስመር ማያ ትቦታት፡ ናይ ትቦ መጋጣጠሚታት፡ናይ ፅሕፈትን ፅሬትን መሳርሕታት ኣቑሑ፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑን ኤሌክትሮ መካኒካል ኣቑሑን ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ነዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ሮቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም ።

1. በቲ ዘርፊ ናይዚ ዘመን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝኽእል

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ (TIN) ስርተፊኬት ከቕርብ ዝኽእል

3. በቲ ዘርፊ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምዃኑን ናይዚ ዘመን ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ከቕርብ ዝኽእል

4. ተወሳኺ እሴት ታክስ (vat) ዝተመዝገበ ኮይኑ vat ምዝገባ ሰርትፊኬትን ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዓ/ም vat ዲክላሬሽን ከቕር ዝኽእል።

5. ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ዘይምለስ 500.00ብር ( ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር ) ጥራሕ እናከፈሉ ካብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ፋይናንስ ንብረት ምሕደራ ቢሮ ቁፅሪ 02 ካብ ዕለት 21/09/2018 ዓ/ም ክሳብ 02/10/2018 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምውሳድ ይከኣል።

6. ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ቴክኒካልን ፋይናንሻል ተባሂሉ ነንበይኑ ኣብ 2' ፖስታ ናይ ፋይናንሻል ዋጋ መምልኢ ግና ኮፒ እውን ተገይርሉ ንበይኑ ሓደ ፖስታ ጠቅላላ ኣብ 3† ፖስታ ተዓሽጐ ኣብ ልዕሊኡ ናይ መቕረባይ ሙሉእ ሽም፣ ናይቲ ትካል ኣድራሻ ፣ ስልኪ ቁፅሪ ናይ ምንታይ ዓይነት ጨረታ ምኳኑን ማህተም ተገይርሉ ናይዚ ቤት ፅሕፈት ሽም ክሕብር ኣለዎ።

7. ተጫረቲ ዘትሕዝዎ መኸበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ዘርፊ 50,000.00 (ሽሕ) ብር ብሽም ቤት ፅሕፈት ቀ/መ/ማይን ፈሳስን ከተማ ራማ ብጥረ- ገንዘብ ወይ ርpo ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ዕዮና ጨረታ ሳንዱቕ ወይ ድማ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከቕርብ ዝኽእል። ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ጨረታ ሰነድ ማህተም ክዓርፎ ኣለዎ።

8. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳደዳራይ ካብ ዝሳዓሮ ንብረት ንውዕሊ መኽበሪ ዝኸውን 10% ከትሕዝ ዝክእል፡፡

9. መኽበሪ ጨረታ ዝምለስ ሰዓራይ መኽበሪ ውዕሊ ኣትሒዙ ውዕሊ ድሕሪ ምእሳሩ ይኸውን ፡

10. ጨረታ ዘሸነፈ ኣካል ሰዓራይ ምኻኑ ካብ ዝተነገሮ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ማዓልቲ ውዕል ዝኣስር ምዃኑ ።

11. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኾነ ተወዳደዳራይ ዝሳዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 (ዓሰርተ) ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈትና በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ንብረት ከቕርብ ዝክእል።

12. መኽበሪ ውዕሊ ዝምለስ ሰዓራይ ናብ ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ንብረት ኣታዊ ገይሩ ተረጋጊፁ ምስ ኣረከበ ዝምለስ ይኸውን ፡፡

13. እቲ ጨረታ ዕለት 02/10/2018 ዓ/ም / ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀ//ማይን ፈሳስን ከ/ራማ | ክ/ፋ/ን/ምሕደራን ቢሮ ቁፅሪ 02 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ዝኽፈት ይኸውን። ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይተኣጓጎልን።

14. እቲ ጨረታ ቤት ፅሕፈትና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት ዓቐን (በዝሒ) ከም ኣድላይነቱ ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቕሓ ክሳብ 20% ክቕንስ ወይ ክውስኽ ይኽእል እዩ ።

15. ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ወይ ብዝምልከቶ ኣካል ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስ ተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን

16. ተጫራታይ ዝመልእዎ ዋጋ ሻት ዝሓወሰ ክኽንውን ኣለዎ ተዘይኮይኑ ሻት ከም ዝሓወሱ ርዱእ ተገይሩ ይውሰድ ።

17. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን40 (ኣርባዓ) መዓልቲ ይከውን።

18. ከይዲ ጨረታ ብዘይኣግባብ ንምዝባዕ ዝፈተነ ብሕጊ ዘሕትት ኮይኑ ጨረታ ንኸይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ዝኸይድ ስጉምቲ ንወስድ ምዃና

19. ጨረታ ምስ ተኸፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለውጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ወይ ንነብሶም ካብቲ ከይዲ ጨረታ ምግላልን ኣይካኣልን።

20. ተጫረቲ ግልፂ ኣብ ዘይኮነሎም ኣብ ጨረታ ሰነድ ዝተቐመጡ ነጥብታት መብርሂ ወይ መመሓየሺ ሕቶ ከቅርቡ ይክእሉ እዮም ጨረታ እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ክከውን ኣለዎ፡

21. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ _0920469110/0914787223_ ደዊልካ ምሕታት ይካኣል