Mekelle middle court

ናይ ጨረታ ምልክታ

ኣፈ/ኸሳሲ፦ ኣይተ ሃይላይ ገ/ሚካኤል ኣ/ሻ፦ ከተማ መቐለ

ኣፈ/ተኸሳሲት ፦ 1. ወ/ሮ ክንደሃፍቲ ወልዱ ኣ/ሻ፦ ከተማ መቐለ

ኣብ ሞንጎኦም ብዝነበረ ናይ ሓዳር ሃፍቲ ክትዕ ኣመልኪቱ ብሽም ኣፈ/ተኸሳሲት ዝፍለጥ

1. ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ 1 ወያነ ጣብያ ሆሳእና ብመዋሰኒ ብምብራቕ - መንገዲ ፣ ብምዕራብ 21602/02 ፣ ብሰሜን መንገዲ ፣ ብደቡብ 21602/10 ፣ ዝዋሰን ስፍሓቱ 325 ሜትር ካሬ ባዓል ሓደ ደብሪ / ፍሉይ ቦታ ቀበሌ 16 ሰቨን ኢለቨን ቁፅሪ 2ተ ባዕሉ / ዝኾነ ብጨረታ ንክሽየጥን መበገሲ ዋጋ ብር 60,000,000.00 (ስሳ ሚልዮን ብር) ስለዝተደለየ

2. ኣብ ከተማ መቐለ ክ /ከተማ ሓድነት ጣብያ ስምረት ቀጠና ዳያስፖራ ብመዋሰኒ ብምብራቕ - መንገዲ ፣ ብምዕራብ ሙሉ ጌታ ፣ ብሰሜን ተክለ ወልዱ ፣ ብደቡብ ይተባረክ ፣ ዝዋሰን ስፍሓቱ 250 ሜትር ካሬ ባዓል ሓደ ደብሪ / ፍሉይ ቦታ መቐለ ዩኒቨርሲቲ እንስሳ ሕክም ካብ ኣስፋልት ናብ ሰሜን ገፅ እትው ኢልካ / ዝኾነ ብጨረታ ንክሽየጥን መበገሲ ዋጋ ብር 17,000,000.00 ( ዓስርተ ሸውዓተ ሚልዮን ብር) ስለዝተደለየ ንክጫረት ዝደሊ ንክጫረትን ዝሰዓረ ድማ ናይቲ ዝሰዓሮ መጠን ኣቐዲሙ 10 % ወድያዊ ንክክኸፍል ዝኽእልን እቲ _ ዝተረፈ ድማ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ክኸፊሉ ዝክእል ንክጫረትን ናይ ጨረታ ዕለት ድማ ኣብ ታረ ቁፅሪ 1 ንዘሎ ዕለት 17/10/2018 ዓ/ም ካብ ሰዓት 3፡00 – ሰዓት 6፡00 ዘሎ ንክጫረት ኣብ ተራ ቁፅሪ 2ተ ንዘሎ ድማ ዕለት 18/10/2018 ዓ/ም ካብ ሰዓት 3፡00 – ሰዓት 6፡00 ቀዳማይ ወያነ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ኣዚዙ ኣሎ። ናይ ጨረታ ውፅኢት ዕለት 19/10/2018 ንሰዓት 9፡00 ንክቀርብ ተኣዚዙ ኣሎ ፡፡