Mekelle middle court

ምልክታ ከባቢያዊ ጨረታ ቑፅሪ 003/2018ዓ/ም

ዕለት 12/09/2018ዓ/ም

ከተማ መቐለ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ኣድራሻ ክልል ትግራይ ዞባ መቐለ ክ/ከተማ ቀ/ወያነ ስልኪ /0344405093፣ንቤት ፍርድና ግልጋሎት ዝውዕል ሃላቒ ናይ ፅሕፈት ን ፅሬትን መሳርሒ ንበጀት ዓመት 2018ዓ/ም በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ሕጋዉያን ነጋዶ ብምውድዳር ኣብ ጨረታ ኣሸንፍቲ ምስ ዝኾኑ ኣካላት ሕጋዊ ዉዕሊ ኣሲሩ ዕደጋ ከካይድ ስለ ዝደሊ እዞም ዝስዕቡ ሮቓሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንዉድድር ይዕድም።

ግልፂ ጨረታ ምድብ /003/ 001/2018 ሃለቒ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ➢

ግልፂ ጨረታ ምድብ /003/ 002/2018 ሃለቒ ናይ ፅሬት መሳርሒ

መምርሒ ተጫረቲ

1. በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም/ዎን/፣መለለይ ቑፅሪ ግብሪ ከፋሊ TIN ዘለዎ፣ተወሳኺ እሴት ታክስ መቅረባይነት ዘለዎ ዝኾነን መረዳእታ ዘቕረቡን ክወዳደሩ ይኽእሉ፣

2. ርኸኽብ ንብረት ዝግበረሉ ቦታ ኣብ ከተማ መቐለ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ይኸዉን፣

3. ኣብቲ ጨረታ ኣሸናፊ ዝኾነ ተወዳዳሪ በቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተገለፀ ናይ ምቕራብ ዝቐረቡ ኣቑሑት ብሰብ ሞያ ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ዝወስድ ኣፈቲሹ ኣረጋጊፁ ዘቕርብ(ዘረክብ)፣

4. ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ እዋን ካብዕለት 12 /09/2018ዓ/ም ክሳብ ብዕለት 21 /09/2018 ንተኸታታሊ 10 መዓልቲ ኣብ ኣየር ይፀንሕ፣

5. ጨረታዝዕፀወሉ ዕለት 12 /09/2018 ዓ/ም ስዓት 3 ፡30 ንጉሆ

6. ጨረታዝኸፈተሉ ዕለት 21/09/2018ዓ/ም ሰዓት 3 30ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡ 00ንጉሆ ይክፈት

7. ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ከተማ መቀለ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ቑፅሪ 206 ዘይምለስ ንፅሕፈትን ፅሬት ብር 100.00/ሓደ ሚኢቲ /ብር ጥራሕ እንዳኸፈሉን ሰነድ ጨረታ ምግዛእ ይኽእሉ፣

8. ተወዳደርቲ መኽበሪ ጨረታ ንፅሕፈት ብር=5,000.00(ሓሙሽተ ሽሕ ብር) ጥራሕ/ ንፅሬት ብር =3000/ሰለስተ ሽሕ ብር/ጥራሕ ጨረታ ብባንኪዝተረጋገፀ CPO፣ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ቼክ፣ጥረ-ገንዘብ ከትሕዙ ዝኽእሉ፣

9. ሰነድ ጨረታ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ካብ ዕለት 12/09/2018ዓ/ም ክሳብ ዕለት 21/09/2018ዓ/ም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ስዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ከተማ መቀለ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ክፍሊቁፅሪ 206 ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕኣታዊ ይግበር፣

10. ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ንካልኦት ሰነዳት ብቛንቛ ትግርኛ ይኸዉን፣

11. ተወዳድርቲ ኣብ ቤት ፅሕፈትና መፂኦም ሳምፕል መሰረት ሪኦም ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

12.ቤት ፅሕፈትና ኣብ ሰነድ ጨረታ ኣብ ሕድሕድ ኣይተም 20% ናይ ምዉሳኽ ወይ ምቕናስ መሰል ኣለዎ፣

13. ኣብ ጨረታ ኣሸናፊ ዝኾኑ ተወዳደርቲ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ መዓልቲ ጀሚሩ ናይ ፅሕፈትን ፅሬትን ኣብ ውሽጢ 10 ተከታታሊ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቀለ ማእከላይ ቤት ፍርዲ መፂኦም ክረክቡ ዝኽእሉ፣

14. ተወዳደርቲ ኣብ ላዕሊ ብዝተገለፀ መሰረት ብሕድ ሕድ ዘርፊ ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ሳንዱቕ ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም፣

15. ቤት ፅሕፈትና እዚ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዊ እዪ፣

16. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0344405093 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

17. ተወዳደርቲ ክዋዳደሪ እንተለዉ ኣብ መክዝን ምህላው ኣረጋጊፆም ክዋዳደሪ ኣለዎም

ምስ ሰላምታ

ማ/ቤት ፍርዲ ከተማ መቀለ