Dedebit Credit and Saving Institution S.C

ምልክታ ጨረታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዝተፈላለየ ናይ ፅሕፈት መሳርሕን ናይ ፅሬት ኣቑሑትን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋውያን ትካላ በዚ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት እተማልኡ ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ተጫረቲ ናይ መቕረባይ ፍቃድን ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TI/ ከቕርቡ ዝኽእሉን ከምኡ እውን ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ኣትኽእሉ፣

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ኣብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ፡፡

3. ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ካብ ዕለት 12/09/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ዘይምለስ ብር 100/ሓደ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣

4. ናይ ጨረታ መከበሪ በቲ ኣብ ተራ ቑፅሪ 2 ዝተገለ መሰረት ዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ግን የሴ ዝስረዝ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።

5. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ካብ ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረጋ መኸበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።

6. ናይ ጨረታ ሰነድ ብፖስታ/ሽምዒ/ ዝተዓሸገ ኾይኑ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 12/09/2018 ዓ/ም እስካብ ዕለት 25/09/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ግዜ ይኸውን፤

7. እቲ ጨረታ ዕለት 12/09/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ዝኸፈት ኾይኑ ኣብቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ወኪላቶም ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ ክሳብ ዝተረጋገፀ እቲ ዝኣተወ ጨረታ ኩሉ ዝክፈት ይኸውን።

8. ተጫረቲ ኣብ እዋን ጨረታ ብስርዓት ክከታተሉን ብስርዓት ክሓቱን ዝፍቀድ ኮይኑ ካብዚ ወፃኢ ናይቲ ጨረታ ከይዲ ዝህውኽ ተግባራት ካብ ምፍፃም ክቁጠቡ ዘለዎም ኮይኖም ነቲ ጨረታ ክህውኽ ተግባር ምስ ዝፍፅሙ ካብቲ ጨረታ ክስረዙን ካብ ውድድር ወፃኢ ክኾኑ ከምዝክእሉ ክርድኡ ይግባእ።

9. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional Performance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፣

10. ሰዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ 5 ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቀሪቡ ውዕል ክኣስር ይግባእ።

11. በቲ ኣብ ተራ ቁፅሪ 9ተ ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕል ዘይኣሰረ ሰዓሪ ጨረታ እቲ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሓዞ 2% ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።

12. ኣብቲ ጨረታ ቅሬታ ዘለዎም ተወዳደርቲ ሰዓሪ ጨረታ ዕላዊ ኾይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ተከታተልቲ መዓልትታ ናብ ተካል ቅሬትኦም ከቅርቡ ዝኽእሉ ኮይኖም ድሕሪ እቲ ዝተገለፀ ዕለት ዝመፅእ ቅሬታ ተቀባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ኽፈልጡ ይግባእ።

13. ትካል ዘሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ በቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

14.ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 309 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ፡፡