Hospital Adi Daero

1 ናይ 2017 ዓም ግብሪ ዝከፈለ : ንግዲ ፍቃድ 2018 ዓም ዝሐደሰ : ንቁፅሪ ሓሙሽተ ቫት ተመዝጋቢን ናይ መጋቢት 2018 ዓም ሪፕርት ዝገበረን : መለለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ከቅርብ ዝክእል

2 ከምእዉን ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬት መታወቂያ ዝተሐደሰ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ ተቅርብዎ ንብረት ዓይነት ንግድ ፍቃድ ኦርጅናል ፎቶ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 500 ብር ብምክፋል ካብ መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲ ዳዕሮ ክትወስዱ ትክእሉ

5 ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ እንትምላእ ሰም : ኣድራሻ : ፊርማን ማህተምን ክዓርፎ አለዎ

6 ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ እንትምላእ በቲ ዝቀረበ ስፐስፊኬሽን ክምላእ አለዎ

7 ናይ ባዕልካ ስፐስፊኬሽን ምእታዉ ኣይፍቀድን

8 መከበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ሐደ ስፔር ፓርተ መኪና : ክልተ ፅሬት መሳርሒ : ሰለሰተ ስፔር ፓርት ሞተር ሳይክል : ኣርባዕተ ሕትመት መሳርሒ : ሓሙሸተ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒ : ሽድሽተ ኮንስትራክሽን መሳርሒ ብር 10000 ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

9 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝልቀቀለም ሰዓራይ ዉዕሊ ምስኣሰረ ይከዉን

10 ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣስር ከሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል

11 እቲ ሰነድ እንትምላእ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እንተሃሊዎ ፊርማ ክዓርፈሉ አለዎ

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጨረታ መሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝሐለወ እዩ

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ከምኣድላይነቱ ናይ ዝግዛሕ ኣቅሓ ክሳብ 25 ሚእታዊ ከዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

14 ካብ ዕለት 3/9/2018 ዓም ክሳብ 17/9/2018 ዓም ናብ መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲ ዳዕሮ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ምምሕዳርን እናመፃእኩም ክሳብ 11:30 ኣብ ስራሕ ሰዓት ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ

15 እቲ ጨረታ ዕለት 18/9/2018 ዓም ዝዕፀወሉ ሰዓት 4:00 ኮይኑ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ይክፈት

16 ሰዓራይ ኣካል ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲ ዳዕሮ ከቅርብ ዝክእል

17ሰነድ ጨረታ ኦርጅናል ኮፒን ነንበይኑ ብፖስታ ተዓሽጉ ከቀርብ አለዎ

18 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን 40 መዓልቲ ይከዉን