Wahis Home and Building SC

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣክስዮን ማሕበር ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ መንበሪ ገዛን መስርሒ ቦታን ፀገማት ንምፍታሕን ነቲ ትሑት ኣታዊ ዘለዎ ናይ ሕብረተሰብ ክፍሊ ማእኸል ገይራ ኣብ ምንቅስቓስ እትርከብ ትካል እያበዚ መሰረት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣክሲዮን ማሕበር፤ ኣብ ዓዲሓ ዓይደር ክ/ከተማ መቐለ B+G+10 ህንፃ ወዲእና ንኣማዊል ነምርካብ ናይ በሪን መሰኮት መስተዋት ክነስርሕ ሰለዝደለና ም ነዞም ዝስዕቡ ረቚሓታት ተማልኡ ተጫረቲ ክትሳተፉ ንዕድም፡

1. ናይ 2018ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ናይ ግብሪ ኸፋሊ መፍለይ ቲን፣ናይ ምዝገባምስክር ወረቐት ናይ ምዝገባ ፍቓድ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት ከቕርብ ዝኽእል፡፡

2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ (CPO Bank guarantee or cash) /30,000/ሰላሳ ሽሕ ብር) ክቕርብ ይግባእ፡፡

3. ተጫረቲ ናይ ብቕዓት መረጋገፂ ዘለዎም ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ሰራሕቲ ዝሰርሑ ፡

4. እቲ ሰራሕ ኣብ1(ሓደ) ወርሒ ሰሪሑ ክውድእ ዝኽእል፡፡

5. ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝተሓተ ዋጋ ዘእተወ ይኸውን።

6. ድሌት ዘለኩም ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ዝወሰድ መንገዲ ኣቢሲንያ ባንክ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ብምቕራብ ካብ ዕለት 29/08/2018 ዓ/ም ዘይምለሰ ብር 500.00( ሓሙሸተ ሚእቲ ብር) ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ስዓት ምውሳድ ይካኣል፡፡

7. ተጫረቲ ሓደ ኦርጂናልን ሐደ ኮፒን ፋይናንሻልን ሲፒኦን ዶክመንት ኣብዝተፈላለየ ፖሰታ ብሽምዒብምእሻግ ኣብ ሓደ ዓብይ ፓሰታ ኣሺጎም ብምቕራብ ሙሉእ ኣደራሻ ናይ ድርጅቶም ማህተም ብንፁር ብምግላፅ እቶም ኣብ ቑዕሪ 2 ዝተዘርዘሩ ምስክር ወረቐት ኦርጂናል ዶክመንት ኣብ እዋን ጨረታ ምኽፋት ሒዞም ክመፁ ኣለዎም፡፡

8. ተጫረቲ ዝተማለእ ሰነድ ብምቕራብ ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ዝወሰድ መንገዲ ኣቢሲንያ ባንክ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ካብ ዕለት 29/08/2018 ክሳብ ሰዓት ዕለት 11/09/2018 ካብ ሰዓት 2:30 ንጉሆ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ስዓት ምእታው ይኽእሉ፡፡

9. እቲ ጨራታ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸበሉ ዕለት 11/09/2018 ድሕሪ ሰዓት 8:30 ተዓሺጉ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ይኸፈት፡፡

10. ተጫረቲተወሳኺ ሓበሬታ እንተደልዮም ብቑፅሪ ሰልኪ +251938000111, +251938000222 ምድዋል ይካኣል፡፡

11. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ ተረኺቡ እታ ጨራታ ብውሱን ወይ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡