Sheba Leather Industry PLC

ን2 ጊዜ ዝወፀ ግልፂ ናይ ጨረታ ምልክታ

ትካልና ሸባ ሌዘር ኢንዳስትሪ ሓ/ዝተ/ው/ማሕበር ናይ ውልቀ ሃፍቱ ዝኾነ ኣብ መቐለ ሰሜን ክ/ከተማ ፍሉይ ሽሙ ላጪ ጥቓ ቲሹ ካልቸር ዝርከብ ሓደ ዓብይ መጋዝንን ንቤት ፅሕፈት ዘገልግሉ 6ተ ክፍልታትን ዝሓዘ 1500 ካ.ሜ ስፍሓት ቦታ ብዘለዎ ኩነታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ። በዚ መሰረት ምስቲ ናይ ጨረታ ዋና ሰነድ ተተሓሒዙ ዘሎ መረዳእታ መሰረት ክትጫረቱ እትደልዩ ነዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት ብምምላእ ክትጫረቱ ከም እትኽእሉ ንገልፅ።

ዋና ዋና ረቛሒታት ጨረታ

1. ዘይምልስ 1000 ብር ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ክትወስድ ትኽእሉ

2. ክትጫረቱ እትደልዩ ውልቀ ሰባትን ሰብ ሃፍትን ኣብቲ ዝተቐመጠ መምልኢ ሰነድ ናይ ጨረታ ጠቕላላ ዋጋ ክቕመጥ ኣለዎ።

3. መክበሪ ጨረታ ናይ መበገሲ ዋጋ 20% ብCPO ከትሕዝ ዝኸእል

4. ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 5' ናይ ስራሕ መዓልቲ ቀሪቡ 50% ናይቲ ዝተጫረቶ ዋጋ ከፊሉ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል

5. ሽም መዘዋወርን ካልኦት መንግስታዊ ወፃኢታትን ካብ ዝሰዓሮ ዕለት ጀሚሩ ባዕሉ ክኸፍል ዝኽእል

6. እቲ ዝተረፈ 50% ክፍሊት ሽም ምስ ተዘዋወረ ወይ ድማ ሙሉእ ውክልና ምስተረከበ ክኸፍል ዝኸእል

7. ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት 29/08/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ንተኸታታሊ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸውን

8. ተጫራታይ ብኣካል ወይ ብወኪሉ ኣቢሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ከተማ ውቕሮ ፊት ንፊት ፖሊስ ጣብያ ከተማ ውቕሮ ዝርከብ እንዳ ሃፍቱ ሃይሉ ፎቶ ኮፒን ፅሕፈትን ዝርከብ ክትወስዱ ትኽእሉ

9. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 06/09/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፤30 ኮይኑ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሰዓት 4፤00 ተጨራታይ ወይ ሕጋዊ 'ወኪል ኣብ ዝተረኸበሉ ኣብ ሽባ ሌዘር ኢንዳስትሪ ግቢ ውሽጢ ዝኸፈት ይኸውን።

10. እዚ ጨረታ እዚ ትካል ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

11. ንዝበለጨ ሓበሬታ 09-29-45-77-47/09-14-76-21-38 ደዊሎም ምሕታት ይኽእሉ።