The daughters charity

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናንን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብዝተረኸበ ሓገዝ መሰረት

1. ናይ Electronics items ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ

➢ በቲ ዘርፊ ሕጋዉያን መቐረብቲ ዝኾንኩም ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 04/05/2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 07/05/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 8:30 ድሕሪ ስዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ቢሮ ቁፅሪ 12 ዕደጋ ክፍሊ ክትወስዱ ትኽእሉ ምዃንኩም።

➢ እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 07 /05/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 8:30 (local time) ኣብ ዘሎ ግዜ ንዳሓር ዘይነተኣናግድ ምዃና ንሕብር

➢ ዝተኣከበ ፕሮፎርማ ዕለት 08 /05/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ይኽፈት ::

መብርሂ፣ ኣብ ጨረታ ክሳተፍ ዝኽእል ሓዱሽ ቅብሊት ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሐተመ ወይ ካሽ ረጅስተር መሽን ዘለዎ ጥራሕ ምዃኑ ነፍልጥ::

Mekelle, Tigray, Ethiopia P.O. Box 69 Tel 0344 41-84-42 Email dccoordinator@ethionet.et